ደሴ/መቐለ —
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ምኽንያት መኻይኖም ብምስራቖም ናብ ፀገም ከምዝወደቑ ገለ ነበርቲ ኮምቦልቻ ጥርዓኖም የቕርቡ።
“መኻይና ኣብ ክልል ትግራይ ከምዝርከባ ኣረጋጊፅና ኢና” ዝብሉ ልዕሊ 50 ዝኾኑ ከሰስቲ መንግስቲ ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ጉዳይ ዝተዘርፈ ንብረትና ጠመተ ክገብረሉ ይግባእ ክብሉ ሓቢሮም።
ልዕሊ 77 ዝኾና ናይ ውልቀን መንግስትን መኻይን ኣብ እዋን እቲ ኲናት ተዘሪፎሙኒ ዝብል ቤት ፅሕፈት ህንፀትን ዳግመ እግሪ ምትካልን ክልል ኣምሓራ ብወገኑ ሕቶታት እቶም ከሰስቲ ንምምላስ ዓቕሚ ከምዝሓጽሮ ብምግላፅ ዝምልከቶም ኣካላት ውሽጢ ዓድን ደገ ነቲ ጉዳይ ክፈልጥዎ ከምዝገበረ ሓቢሩ።
ቤት ፅሕፈት መጉዓዝያን መራኸብትን ክልል ትግራይ ብወገኑ “ዝተማረኻ” ክብል ዝገለፀን ናይ ውልቀ ሰብ መኻይን ናብ ሰብ ንብረት ምምላስ ፖሊሲኡ ምዃኑ ብምጥቃስ ኣብቲ እዋን ካብ ክልል ትግራይ ዝተዘርፋ ልዕሊ 6-ሽሕ መኻይን ከምዘለዋ ብምሕባር መንግስቲ ፌደራልን ክልልን ብሓንሳብ ክሰርሑ ከምዝግባእ ገሊፁ።