ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ገለ ተቐናቐንቲ ሰልፊታት ኢትዮጵያ ኣብ መስርሕ ምርጫ ኮሚሽን ሃገራዊ ምክክር ዘለዎም ቅሬታ ገሊጾም


ኣብ ኢትዮጵያ ኣባላት ኮሚሽን ሃገራዊ ምኽኽር ዝተመረጽሉ መንገዲ ብዝምልከት ቅሬታ ከም ዘለዎም ገለ ተቀናቀንቲ ሰልፍታት'​ታ ሃገር ይገልጹ።

ንሬድዮ ድምጺ ኣመሪካ ርኢቶኦም ዝሃብዎ ኣመራርሓ ሰልፍታት ኦፌኮን ኢዜማን ኣባላት'ቲ ኮሚሽን ዝተመረጽሉ ኣካይዳ ሓቛፊ ኣይኮነን በዚ ሕጂ ዝተታሕዘሉ መንገዲ ኸኣ ውጺኢታዊ ክኸውን ኢሎም ከም ዘይኣምኑ ገሊጾም።

አካቢ እቲ ኮሚሽን ፕሮፈሰር ኣርኣያ ብወገኖም እቲ ኮሚሽን በቲ ክምስረተሉ ዝወጸ ኣዋጅ ኣባላቱ ከም ዝተመረጹ ገሊጾም ድልየት ዘለዎ ኹሉ ኣብ ከይዲ ስራሕ'ቲ ኮሚሽን ክሳተፍ ከምዝኽእል'ውን ሓቢሮም።

ኣቦ መንበር ኦፌኮ ፕሮፌሰር መራራ ጉዲና:ምኽትል ኣቦ መንበር ዓረና ትግራይ ንዲሞክራሲን ሉኣላዊነትን ኣቶ ጎይተኦም ጸጋይን ድማ ኣገባብ ምርጫ እቶም ኣባላት ንኹሉ ሓቛፊ ኣይኮነን ኢሎም።

እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቀንዲ ጉዳያት ምርድዳእ ንምፍጣርን ንዝርኣዩ ፍልልያት ኣጽቢብካ ሰላምን ምስፋን ተስፋ ዝተገብረሉ ሃገራዊ መድረኽ ምኽኽር ነቲ ከይዲ ዝመርሑ 11 ኮሚሽነራት ዝሓዘ ኮሚሽን ተመስሪቱ ናይ ሰለስተ ዓመታት ናይ ስራሕ ግዜ ተዋሂብዎ ስርሑ ጀሚሩ እዩ። እንተኾነ ተቀናቀንቲ ሰልፍታት ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ኣካላት ቅረትኦም ይገልጹ።

XS
SM
MD
LG