ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆ ባይደን : ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን ዘውጽኦ መምርሕታት ንምቕያር ኣዋርሕ ክወስድ'ዩ ኢሉ


ተመራጺ ፕረሲደንት ጆ ባይደን : ፕረሲደንት ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ኢሚግረሽን ዘውጽኦ መምርሕታት ንምቕያር ኣዋርሕ ክወስድ'ዩ ኢሉ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ወፍሪ ምርጫ ዝኣተዎ ቃል ንላዕሊ ክደናጒ ከምዝኽእልን፡ ንቕልጡፍ ስጉምትታት ኣብ ተሓለቕቲ ክምርኮስ ከምዝኽእልን ዘርኢ'ዩ።

ባይደን ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ክልተ ላዕለዎት ኣማኸርቱ ምስ ኣገልግሎት ዜና ስፓኒሽ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ ዘቃልሕ'ዩ። ንሱ ድማ ትራምፕ ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ዘለዎ ኣጋዲ ፖሊሲታት ቀልጢፍካ ንምዕጻፍ ቀሊል ከምዘይኮነ'ዩ።

ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥታ ክኸውን ዝመረጾ ጀይክ ሱሊቫን፡ ከምኡ ድማ ኣማኻሪት ዘቤታዊ ፖሊሲ ክትከውን ዝሰየማ ሱዛን ራይስ፥ከምኡ'ውን ባዕሉ ባይደን ከም ዝብልዎ ዘለዉ እንተኾይኑ፥ ቀልጢፍካ ስጉምቲ ምውሳድ ኣብቲ ዶብ ሓዲሽ ቅልውላው ክፈጥር ይኽእል'ዩ።

ጆ ባይደን ዝሓለፈ ረቡዕ ኣብ ዊልሚንግቶን ደለወር ንሪፖርተራት ክዛረብ ከሎ፡ ብዛዕባ ኣብ ዶብ ዘሎ ጉዳይ ፍልሰተኛታት ድሮ ምስ ፕረሲደንት መክሲኮ ክዘራረብ ምጅማሩ ኣፍሊጡ'ሎ። ምስ ካልኦት ኣብ ላቲን ኣመሪካ ዘለዉ መሓዚትና ንዘራረብ ኣለና ዝበለ ባይደን፡ እቲ ጉዳይ እናተመሓየሸ'ምበር እናኸፍአ ንኸይከይድ ክንሰርሕ ኢና ኢሉ።

" ሓደ ክንገብሮ ዘይንደሊ ነገር ከምዚ ሕጂ ዘለዎ ዕድል ምሕታት ዑቕባ ምዕጻው'ዩ። ከምኡ ምግባር ማለት ድማ 2 ሚልየን ህዝቢ ኣብቲ ዶብ ምሓዝ ማለት'ዩ" ኢሉ ባይደን።

ኣስዒቡ ደያኑ ፥ ጉዳያት ዑቕባ ንከሳልጡ ተወሳኺ ገንዘብ ምምዳብ ከድሊ'ዩ ኢሉ። ንደረታት ዑቕባ ትራምፕ ንፍኳስ ክሰርሕ'የ ዝበለ ባይደን፡ ንምትግባሩ ግን ክሳብ 6 ኣዋርሕ ክወስድ ከምዝኽእል ሓቢሩ'ሎ።

ርእይቶታት ተመራጺ ፕረሲደንት ጆ ባይደን ዝስማዕ ዘሎ፡ ኣብ ዚ ቀረባ ኣዋርሕ ኣብቲ ዶብ ክልከላታት ፍልሰተኛታት ኣብ ዝወሰኸሉ እዋን'ዩ።

ብመሰረት ዳታ ሓለዋ ዶባትን ግምሩክን፡ ቁጽሪ ቀይድታት ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ፡ ብ30% ምውሳኹ፡ ከምኡ ኣብ ወርሒ ሕዳር ብእኡ ናህሪ ከምዘሎ'ዩ።

ገለ ተንተንቲ ከምዝግምትዎ፡ ኣብ ቀዳሞት ኣዋርሕ ስልጣን ጆ ባይደን፡ ብሸነኽ መክሲኮ ዝርአ ቁጽሪ ስደተኛታት ኣዝዩ ከምዝንህር'ዩ። ነዚ ምኽንያት ድማ ኣብ ማእከላይ ኣመሪካ ዘጋጥም ወቕታዊ ማዕበላት መሸንበባ ማይን ዘስዕቦ ጉድኣትን፡ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮና ኣብ ቁጠባ ዝወርድ ጉድኣት፡ ከምኡ ድማ ምምሕዳር ባይደን ኣብ ኢሚግረሽን ዘለዎ ሰብኣዊ ኣቀራርባ'ዩ ይብሉ።

ሱልቫንን ራይስ ኣብቲ ምስ ኢ .ኤፍ .ኢ . ዝተባህለ ሚድያ ስፓኒሽ ዝገበርዎ ቃለ መጠይቕ፡ ጆ ባይደን፡

ንስርዓት ኢሚግረሽን ንምትዕርራይ ፕረሲደንታዊ ውሳነታት ከውጽእ ይኽእል'ዩ ኢሎም'ዮም። ከምኡ'ውን ሃገራት ላቲን ነቲ ጠንቂ ስደት ዝኾነ ምኽንያት ናብራ ንምቕራፍ፡ ኤኮኖሚአን ዘሐይል ሓገዝ ንምግባር መደባት ከምዘሎ ኣተንቢሆም'ዮም።

ባይደን ነቲ ትራምፕ ሒዝዎ ዝጸንሐ፡ ዩኤስ ንሓተቲ ዑቕባ ናብ ጓዋቲማላ፡ ሁንድራስን ኤልሳልቫዶርን ኣሳጊራ ኣብተን ሃገራት ክተጽንሖም ምስተን ሃገራት ዝገበሮ ውዕል ቀልጢፉ ንምዕጻፉ ክሰርሕ'ዩ ዝበለ ኣማኻሪ ሃገራዊ ጸጥትኡ ክኸውን ዝመረጾ ጀይክ ሱሊቫን፡ ብዘይሕጊ ናብ ዩኤስ ዝኣተዉ ምጥራዞም ዝብል ናይ ዘመነ ትራምፕ ፖሊሲ'ውን ንኸብቅዕ ክሰርሕ'ዩ ኢሉ።

ባይደን ኣብተን ቀዳሞት 100 መዓልታት ፕረሲደንትነቱ፡ ምስ መክሲኮ ዘሎ ፕሮቶኮል ሓለዋ ማይግራንት ዝብል ስምምዕ ጠጠው ከምዘብሎ ቃል ኣትዩ'ዩ።

ሱልቫን ግን ብዙሓት ካብቶም ጽገናዊ ለውጥታት ግዜ ክወስዱ'ዮም ይብል።ኣስዒቡ እቶም ናብ ዩኤስ ክሃድሙ ዝሓስቡ፡ እቲ መደባት ምምሕዳር ባይደን ምትግባሩ ገና ስለዝኾነ ዝግ በሉ ብምባል ይምዕድ።

ለበዳ ሕማም ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ከምኡ ኣብ ሰሜናዊ መክሲኮ ዝጽበዩ ዘለዉ ብዙሓት ፍልሰተኛታት ኣብ ግምት ኣእቲኻ፡ ናብ ዩኤስ ንምእታው ሓደገኛ ጒዕዞ ምምራጽ ሕጂ ግዚኡ ኣይኮነን ይብል። መደባትና ምሉእ ንምሉእ ንምትግባር ኣዋርሕ ክወስደልና'ዩ ይብል ኣስዒቡ።

ካልኦት ተሓለቕቲ ፍልሰተኛታት ግን፡ ነቲ ትራምፕ ዝኣሳሰሮ ፖሊሲታት ንምፍታሕ ግዜ ከምዝወስድ ንግንዘብ'ኳ እንተኾና፡ ቅጽበታዊ ስጉምቲ ክውሰደሉ ዘለዎ'ዩ ክብሉ የተሓሳስቡ። ባይደን ንሓባራዊ መፍትሒ ምስ መክሲኮን ማእከላይ ኣመሪካን ክሰርሕ ምጅማሩ'ውን ደገፎም ይገልጹ።

ሊንዳ ሪቫስ፡ ኣብ ኤል ፓሶ ናይ ዝርከብ ማእከል ተጣባቒ ስደተኛታት ዲረክተር'ያ። ምምሕዳር ባይደን ጭካነ ከብቅዕ ዝገብሮ ስራሕ ቀልጢፉ ክጅምር ኣለዎ ትብል።

ሰብኣዊ መሰላትን፡ ክብሪ ወዲ ሰብን፥ ቀንዲ ትኹረት ክኸውን ኣለዎ ትብል ኣስዒባ።

ጉወርሊን ጆዘፍ ድማ ድረክተር ጥምረት ድልድል ሀይሻውያን ዝተባህለ ተሓላቒ ትካል'ያ። ንሳ እቲ ጉዳይ ናይ ሞትን ህየትን'ዩ ትብል። ኣብ ዶብ መክሲኮ ኮይኖም ጉዳዮም ኣብ ኣመሪካ ክርኣየሎም ዝጽበዩ ዘለዉ ሓተቲ ዑቕባ ብዙሓት'ዮም ትብል።

ንሳ ምስ ሪፖርተራት ብተለፎን ክትዛረብ ከላ፡ ክንደይ ዝኾኑ ካብቶም ፍልሰተኛታት ብባይደን ተቐባልነት ከምዝረኽቡ ስኽፍታ ኣለኒ ድሕሪ ምባል፡ ኩልና ኣብዚ ዘለና ግን ቅሩባት ኣለና፡ እቲ መስርሕ ኢሚግረሽን ንኹሉ ዝምልከቶ ክረብሕ ድማ ንኣምን ትብል።

XS
SM
MD
LG