ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጆንሰን ጆንሰን ክታበት ቫይረስ ኮሮና ዝወሰዱ ዝያዳ መበራትዒ ክታበት ክወስዱ ከምዝግባእ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ሓቢሩ


ሓደ ክታበት ቫይረስኮሮና ጆንሰንን ጆንሰንን ዝወሰዱ ሰባት፣ ብፋይዘርን ሞደርናን ዝተዳለወ መበራትዒ ክታበት (ቡስተር ሻት) ክወስዱ ከምዝግባእ ሓድሽ ዝወጸ መጽናዕቲ ገሊጹ።

ብናይ ኣመሪካ ትካል ጥዕና ዝተካየደ መጽናዕቲ፣ ጆንሰንን ጆንሰንን ዝተኸትቡ ሰባት፣ ናይ ሞደርና መበራትዒ ክታበት ድሕሪ ምውሳዶም፣ ንናይ ነብሶም ምክልኻል ዓቅሚ ብ76 ዕጽፊ፣ ድሕሪ ናይ ፋይዘር መበራትዒ ምውሳዶም ድማ ብ35 ዕጽፊ ከምዘሐየሎ ይገልጽ።

እቲ መጽናዕቲ ወሲኹ፣ ካልኣይ ክታበት ጆንሰንን ጆንሰንን ዝወሰዱ ሰባት፣ ናይ ነብሶም ምክልኻል ዓቅሚ ብኣርባዕተ ዕጽፊ ጥራሕ ከምዘዕበዮ ተረጋጊጹ ኣሎ ይብል።

ማእከል ምክልኻልን ቁጽጽርን ሕማማት ኣመሪካ፣ ሰባት ክታበት ምስወሰዱ ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ክወስድዎም ንዝኽእሉ ክልተ ዓይነታት መበራትዒ ክታበታት ንክዋሃቡ ፈቂዱ ኣሎ።

ብመሰረት እቶም ተመራመርቲ "ዘይተኸተቡ ሰባት፣ ዝያዳ ዝተኸተቡ፣ ነቲ ቫይረስ ናይ ምትሓዝ ዕድሎም ካብ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ዕጽፊ ከምዝኾኑ" ገሊጾም።

XS
SM
MD
LG