ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ጸገም ሰላማዊ ፍታሕ ትሓትት


ጅቡቲ ምስ ኤርትራ ዘለዋ ናይ ዶብ ጸገም ከምቲ ድሕሪ ናይ 20 ዓመታት ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያ ዝተገብረ ሰላማዊ ፍታሕ ክረክብ ክኽእል: ሓገዝ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ምሕታታ ተሓቢሩ።

ኣገልግሎት ዜና ኣሶስየትድ ፕረስ ንሰበ ስልጣን ጅቡቲ ጠቒሱ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፤ ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ስዒድ ድዋለ ትማሊ ረቡዕ ሓምለ 18 ናብ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶን ዮ ጉተረዝ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ እዩ ነዚ ሕቶ ኣቕሪቡ።

ኣምባሳደር ጅቡቲ ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት መሓመድ ስዒድ ድዋለ ኣብ ዘቕረቦ ሕቶ፡ ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ምስ ባይቶ ጸጥታ ብምዃን ኣብ ሞንጎ ጅቡትን ኤርትራ ዘሎ ሽግር ብኽልቲአን ሃገራት ተቐባልነት ዘለዎን ሰላማዊ መዓልቦ ብምቅልጣፍ ኣብ ስምምዕ ከብጽሐን ጸዊዑ።

ብመሰረት ተረኺቡ ዘሎ ሓበሬታ: ጅቡቲ እቲ ምስ ኤርትራ ዘሰሓሕባ ጉዳይ ሕጋዊ መዓልቦ ክረክብ ክኽእል ምእንቲ: ኣብ ቤት ፍርዲ ተዳንዩ ብይን ክወሃቦ ከምእትመርጽ'ዩ ተጠቒሱ።
XS
SM
MD
LG