ዋሽንግተን —
ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፎሚዮ ኪሺዳ ኣብ ልዕሊ ቤተ ክርስትያን ዩኒፊፊከሽን ምርመራ ክካየድ ኣዚዞም። እዚ ዝኸውን ድሕሪ’ቲ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ሲንዞ አቤ ዝተፈፀመ ቅንፀላ ኣብ መንጎ ኣባላት ቤተ ክርስትያን ዩኒፊከሽንን ኣባላት ገዛኢ ፓርቲ ጃፓንን ምትእስሳር ከም ዘሎ ዘርኢ ምልከት ምስ ተራእየ’ዩ።
ሚኒስተር ትምህርቲን ባህልን ኪኮ ናጋኦኮ ብመሰረት ሕገ ዓንቀጽ ትካላት ሃይማኖት ነቲ መርመራ ከምዘካይዱ ፎሚዪ ኪሺዳ ገሊፆም’ለዉ።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር ምስቲ ቤተ ክርስትያን ዝተተሓሓዙ ጉዳያት ክፍትሑ ከምዝደልዩ ገሊፆም’ለዉ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ነበር ኣቤ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ኣብ እዋን ሰልፊ’ዮም ተቀንፂሎም። ቀታሊኦም’ዩ ተባሂሉ ዝተጠርጠረ ሰብ ኣዲኡ ነቲ ቤተ ክርስትያን ብዝሃበቶ ኣዝዩ ብዙሕ ወፈያ ስድራ ቤቱ ናብ ስእነት ከምዝወደቀ’ዩ ገሊፁ። ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ፎሚዮ ኪሺዳ ሎሚ ሰኑይ ከም ዝበልዎ ጠርዓን ዝቅበል መስመር ቴሌፎን ምስቲ ቤተ ክርስትያን ብዝተተሓሓዘ ገንዘባዉን ስነ-ኣእምሮኣዊን ፀገማት ሓዊሱ 1,700 ጥርዓናት ከም ዝተቀበለ ገሊፆም፡ መንግስቲ'ውን ንግዳያት ንምሕጋዝ ተወሳኺ ስጉምቲ ክወስድ’ዩ ኢሎም።