ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጃፓን: ውድድራት ኦሎምፒክ ንምእንጋድ ኣብ ትዳለውሉ ዘላ ኣሜሪካ ዜጋታታ ናብታ ሃገር ከይከዱ ኣጠንቂቓ


ውድድራት ናይ ክረምቲ ኦሎምፒክ ክጅመር ትሕቲ ክልተ ኣዋርሕ ኣብ ዝተረፈሉ ግዜ ኣብ ጃፓን ብብዝሒ መልከፍቲ ኮቪድ 19 እናወሰኸ ብምኻዱ ኣሜሪካ ዜጋታታ ናብ ጃፓን ከይጉዓዙ ኣጠንቂቓ።

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወፃኢ ኣሜሪካ ንናይ ጃፓን ዝተሓተ መጠን ክታበትን እታ ሃገር ካብ ኣሜሪካ ንዝመፁ ተጎዓዝቲ ብዘቐመጠቶ ደረታትን ዝለዓለ ማለት እውን ደረጃ 4 መጠንቀቕታ ኣውፂኡ ኣሎ።

ማእኸል ምቁፅፃርን ምክልኻል ሕማማት ኣሜሪካ ብወገኑ ኣብ ዘውፅኦ መጠንቀቕታ ዋላ'ውን ምሉእ ብምሉእ ክታበት ዝወሰደ ሰብ ቫይረስ ኮሮና ከጋጥም ስለዝኽእል ኩሎም ናብ ጃፓን ከይጉዓዙ ኣጠንቒቑ ኣሎ።

ውድድር ኦሎምፒክ ቶክዮ ብሰንኪ ምስፍሕፋሕ ኮቪድ 19 ንሓደ ዓመት ድሕሪ ምንውሑ ካብ 23 ሓምለ ክሳብ 8 ነሓሰ 2021 ክካይድ መደብ ተታሒዙሉ ኣሎ።

XS
SM
MD
LG