ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጃፓን ካብ ሩስያ እትሽምቶ ጸዓት ከተጕድል ምዃና ተመልክት


ቀዳማይ ሚኒስተር ቻፓን ፉሚዮ ኪሺዳ
ቀዳማይ ሚኒስተር ቻፓን ፉሚዮ ኪሺዳ

ቀዳማይ ሚኒስተር ጃፓን ፉሚዮ ኪሺዳ፡ ሃገሩ ካብ ሩስያ እትዕድጎ ጸዓት ብምጕዳል ኣብ ናታ ኒኵለራዊ ጸዓት ክትምርኰስ ምዃና ምፍላጡ ኣገልግሎት ዜና ሮይተርስ ጸብጺቡ።

ኣብ 2011 ምስ ምንቅጥቃጥ ምድሪን ዝሰዓበ ላሕኲ ጸረርታ ኑክሌርን ኣብ ፉኩሺማ፡ ጃፓን ዝበዝሓ ካብ ሓይሊ ጸዓታ ካብ ሩስያ’ያ ከተእቱ ጸኒሓ። ድሕሪ ኲናት ዩክሬንን ስዒቡ ዝመጸ ክብሪ ዋጋን ግን እታ ሃገር ብውሑስ መገዲ ነቲ ዘለዋ ዓቕሚ ኑክሌራዊ ጸዓት ክትጥቀመሉ ምዃና እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣመልኪቱ ኣሎ።

እቲ ኣብ ሎንዶን ዝተዛረበ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ሃገሩ ናብ ውሑስ ኣከባቢን ባዶ ካርቦንን ንምብጻሕ፡ ናይ 1.1 ትሪሊዮን ዶላር ኣመሪካ መዲባ ከም ዘላ’ውን ጠቒሱ።

XS
SM
MD
LG