ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጃፓን፡ ኣመሪካን ደቡብ ኮርያን ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ የካይዳ


ሎሚ ረቡዕ 22 ለካቲት 2023 ደቡብ ኮርያ፡ ጃፓንን ኣመሪካን፡ ኣብ ከባቢ ማያት ደቡብ ኮርያ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ ኣካዪደን።

ሕብረት ሰለስቲኣን ኣካላት፡ ኣብ ባሕሪ ጃፓን’ውን ተመሳሳሊ ወታሃደራዊ ልምምድ ምክያዶን ተፈሊጡ ኣሎ።

በበይኖም ወገናት እቲ ኪዳን፡ ብተናጸል ኣብ ዘውጽኡዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ ንሓድነት ሓድሕዶምን ማያዊ ግዝኣቶምን ዘትርር ምዃኑ ኣመልኪቶም።

እዚ ሓባራዊ ወታሃደራዊ ልምምድ፡ ሰሜን ኮርያ ከም ግብረ-መልሲ ልምምድ ደቡብ-ኮርያን ኣመሪካን ሚሳይላት ድሕሪ ምትኳሳ ሰሙን ኣብ ዘይምልኣሉ’ዩ ዝኸውን ዘሎ። ሰሜን ኮርያ ነቲ ሓባራዊ ልምምድ ምትዅታኽን ዶብ-ምስጋርን ክትብል ገሊጻቶ'ላ።

XS
SM
MD
LG