ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጃፓን ንግዳያት ደብዳብ ናካሳኪ ዘኪራ


ጃፓን ቅድሚ 77 ዓመታት ከምዛ ሎሚ 9 ነሓሰ ኣብ ናጋሳኪ ብደብዳብ ኣቶሚክ ነታጕ ኣመሪካ ንዝተቀትሉ ግዳያት ዘኪራ ዊዒላ። ነዚ መዓልቲ ብምምልካት ቀዳማይ ሚንስትር'ታ ሃገር ፉምዮ ኪሽዳ ኣጽዋር ነዚ መዓልቲ ብምምልካት ንኣጽዋር ኑክሌር ዝምልከት መጠንቀቅታ ሂቦም'ለዉ።

ኣብቲ ሎሚ ሰሉስ ኣብ መናፈሻ ሰላም ናጋሳኪ ዝተዳለወ ስነ ስርዓት ዝኽሪ መደረ ዘስምዑ እቶም ቀዳማይ ሚንስትር ጃፓን ኑክሌራዊ ኣጽዋር ኣልቦ ኾይና ክትቅጽል እያ ኢሎም።

"ስግኣት ኣጽዋር ኑክሌርን ተኽእሎ ምጥቃም ኣጽዋር ኑክሌርን ሓቂ እናኾነ ይመጽ'ሎ። ኣብዚ እዋን ዓለም ብዘይ ኣጽዋር ኑክሌር ንድሕሪት ከም ምምላስ እዩ ዝርኣ። ብኣጽዋር ኑክሌር ተመሳሳሊ ጌጋ ከይፍጸም ምምሕጻነይ ክቅጽል እየ" ኢሎም።

ከንቲባ ቶማሺ ታዩ ብወገኖም ኑክሌራዊ ኣጽዋር ክሳብ ዘሎ ኣብ ጠቅሚ ምውዓሉ ዘይተርፍ እዩ። ንመጻኢ ወዲ ሰብ ምድሓን ዝክኣል ብሕታዊ መንገዲ ነቲ ኣጽዋራት ኑክሌር ብምውጋድ'ዩ ድሕሪ ምባል መንግስቲ ጃፓን ዲፕሎማሲ ሰላም ኣብ ምስዓብ መሪሕ ክኸውን ጸዊዖም።

XS
SM
MD
LG