ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጂል ባይደን ደቂ-ተባዕትዮ ንመሰል ደቀንስትዮ ክድግፉ ጸዊዐን


ቀዳመይቲ እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን፡ ኣብ ጽንብል ምዕዳል ሽልማት ተበዓት ደቀንስትዮ ትማሊ ረቡዕ ኣብ ዘስምዐኦ ቃል፡ ነተን ኣብ በበይኑ ኵርናዓት ዓለም ኣንጻር ዝተፈላለየ ምልኪ ዝቃለሳ ዘለዋ ደቀንስትዮ ዘለወን ኣድናቖት ብምግላጽ፡ ድጋፈን ገሊጸን። ጂል ባይደን ኣብ ዘረበአን ደቂ-ተባዕትዮ’ውን መሰል መጻምድቶምን ብጾቶምን ከኽብሩ ጸዊዐን።

“ንመሰለን ዝዛረባን ዝጣበቓን ደቀንስትዮ ንጽውዓሉ ኣብ ዘለና እዋን፡ ዝሰምዑ ደቂ-ተባዕትዮ ድማ ንሓትት ኣሎና፡” ኢለን ።


ጂል ባይደን ቀጺለን፡ “ውሑስ ሕብረተሰብ ንምፍጣር፡ መሰል ኣሓቶም ዘኽብሩ፡ ዝኣልዩን ዝተሓባበሩን ደቂ-ተባዕትዮ የድልዩ። ተደናገጽቲ ተሓባበርቲን ሰብኡት ምርካብ ድማ መርኣያ ልኡምነት ዘይኰነስ ሓይሊን ብርታዐን ዘመልክት’ዩ፡” ኢለን።

XS
SM
MD
LG