ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጂል ባይደን ኣብ ኣፍሪቃ ዑደት ይገብራ ኣለዋ


ንኽልተ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝሓቘፈ ዑደት በዓልቲ ቤት ፕረዚደንት ባይደን ጂል ባይደን ሎሚ ብናሚብያ ይጅምር ኣሎ።

ንውሕስነት ጸጥታ፡ ዝርዝር ናይቲ ጕዕዞን ዝረኽበኦም ሰባትን ኣዝዩ ውሱን’ዩ ዘሎ: ዑደት ጂል ባይደን ግን ኣብ ምሕያል ደቀንስትዮ፡ ሓገዝ ህጻናትን ምድንፋዕ ውሕስነት መግቢን ዘተኰረ ከም ዝኸውን ካብ ቤት ጽሕፈተን ዝወጸ መግለጺ የነጽር።

ምምሕዳር ባይደን፡ ብሕልፊ ድሕሪ ወራር ሩስያ ንዩክሬን፡ ንመራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብምኽሳብ ብዙሕ ንጥፈታት የካይድ ኣሎ። ሩስያ’ውን ብመገዲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣቢላ ኣብተን ቍልፊ ሃገራት ዝበለተን ምብጻሕ ተካይድ ኣላ። ዑደት ጂል ባይደን እምበኣር ኣካል’ቲ ምምሕዳር ባይደን ነታ ኣህጉር ንምኽሳብ ዝገብሮ ዘሎ ስራሓት ገይሮም ዝርእዩዎ ብዙሓት’ዮም።

ጂል ባይደን ቅድሚ ሕጂ ሓሙሽተ እዋን ንኣፍሪቃ በጺሐን ኣለዋ። ኣብ 2011 ንመዓስከር ስደተኛታት ዳዳብ ኣብ ዝበጽሓሉ፡ ንምሕጋዞም ዓቢ ጻውዒት ኣቕሪበን ምንባረን ይዝከር። ሕጂ’ውን ብተመሳሳሊ ናብቲ መዓስከር ክበጽሓ ትጽቢት ይግበር።

በብእዋኑ በዓልትቤት ፕረዚደንት ኣመሪካ ንኣፍሪቃ በጺሐን’የን። ኣብ ዝቐደመ ጕዕዞአን ዝበዝሓ ጽቡቕ ተቐባልነት ክረኽባ እንከለዋ፡ መብዛሕትኡ ኣብ ሰብኣዊ ሓገዝ ዘተኰረ ዑደት’የን ክፍጽማ ጸኒሐን።

Recommended

XS
SM
MD
LG