ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጂል ባይደን ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ማሳይ ኬንያ ተራኺበን፡ ተዘራሪበን


ጂል ባይደን ምስ ኣባላት ማሕበረሰብ ማሳይ ኬንያ ተራኺበን፡ ተዘራሪበን
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:28 0:00

ጂል ባይደን ምስ አባላት ማሕበረሰብ ማሳይ ኬንያ ተራኺበን፡ተዘራሪበን

ኣብ ኬንያ ብድርቂ ንዝተጠቕዐ ከባቢ ዝተዓዘባ ቀዳማዊት እመቤት ኣመሪካ ጂል ባይደን ሃገራት ስቓይ ህዝቢ ንምንካይ ምስ ኣመሪካ ሓቢረን ክሰርሓ ፀዊዐን። ንሰን ትማሊ ሰንበት ብደርቂ ቀርኒ ኣፍሪቃ ናብ ዝተጠቕዐ ኣፃምእ መሬት ኬንያ ብምጉዓዝ ገለ ደቂ ኣንስትዮ ማሕበረሰብን ማሳይ ቆልዑተንን ጥሪተንን በቲ ደርቂ ኣብ ከመይ ኩነታት ከምዝርከቡ ተዓዚበን።

ገለ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ሓሙሽተ ፍሹላት ናይ ዝናብ ወቕቲ ስለዘሕለፉ ሓረስቶት ንዘራእቶምን እንስስኦምን ዝኸውን እኹል ማይ ኣይረኸቡን።ኣብ መጋቢት ዝጅምር ሻድሻይ ናይ ዝናብ ወቕቲ ተመሳሳሊ ወይ ዝኸፍአ ክኸውን ትፅቢት ይግበረሉ።

ጂል ባይደን ኣብ መወዳእታ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ኣፍሪቃ መገሽአን ብዩኒሴፍን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዝሕገዝ ናይ ዎርልድ ቪዥንን ማእኸል ተዓዚበን። ብሕፅረት ኣመጋግባ ዝተጠቕዑ ደቀን ከመርምራ ምስ ዝመፃ ናይ ደቂ ኣንስትዮ ጉጅለ ተዘራሪበን ኣለዋ።

XS
SM
MD
LG