ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀነራል ኣደም መሃመድ ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ተመዚዞም


ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም
ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም

ቀዳማይ ሚንስትር ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ሎሚ ዝተፈላለዩ ሹመት ከምዝሃቡ ተገሊጹ።

ብመሰረት’ዚ ጀነራል ኣደም መሃመድ ሓላፊ ስታፍ ሓይልታት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኮይኖም ተመዚዞም ኣለው።

ሌተናል ጀነራል ሞላ ሃይለማርያም አዛዚ ሓይሊ ምድሪ፡ ኣቶ ደመላሽ ገብረሚካኤል ኸአ ዋና ዳይሬክተር ሃገራዊ ስለያን ኣገልግሎት ደሕንነትን ኮይኖም ከምዝተመዘዙ ንሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ዝተላእኸ መግለጺ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ኣፍሊጡ’ሎ።

ብካልእ ወገን ኣብ አዲስ አበባ ንዝርከቡ መሃውራት ዜና መግለጺ ዝሃባ ወሃቢት ቃል ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚንስትር ቢልለኔ ስዩም ሎሚ ቅነ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተፈጸመ መጥቓዕቲ ነቲ ዝተጀመረ ለውጢ ከምዘይተዓናቅፍ ገሊጸን ኣለዋ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG