ዋሽንግተን —
ሚንስተር ማዕድንን ጽዓትን ኤርትራ፡ ጀነራል ስብሓት ኤፍረም ቅድሚ ክልተ መዓልታት ናብ ገዝኡ እናኸደ ኸሎ ብሰብ ከምዝተሃርመ እሙናት ምንጭታት ይገልጹ`ለዉ።
ዘይተረጋገጹ ምንጭታት ድማ ኣብ ከባቢ ገዝኡ ኣድብዩ ብዝጸንሐ ሰብ ብሽጉጥ ከምዝተሃረመን ብጽኑዕ ቆሲሉ ኣብ ሆስፒታል ኦሮታ ንክልተ መዓልታት ኣብ ጽኑዕ ክትትል ድሕሪ ምጽናሕ ሎሚ ናብ ወጻኢ ሃገር ከምዝከደ ይገልጹ`ለዉ።
እቲ ዝሃረመ ሰብ፡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣትዩ ይምርመር ከምዘሎ ዝገልጹ ሽሞም ክዕቀበሎም ዝሓተቱ ምንጭታት፡ እቲ ተግባር ፈተነ-ቕትለት ይኹን ተራ ገበን`ውን ንምርግጋጽ ኣይተኻእለን ይብሉ።
ድምጺ ኣሜሪካ ካብ ፖሊስ ኮነ ካብ ዝኾነ በዓል-ስልጣን ርእይቶ ምርካብ ፈቲኑ ኣይተዓወተን።
ገለ ነበርቲ ኣስመራ’ውን መንግስቲ ከም ዓቢ ሃገራዊ ጉዳይ ሒዙ ብኣዝዩ ጥብቂ ምስጢር ዝሓዞ ይመስል ይብሉ።