ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀነራላት ሱዳን ምስ ጉጅለ ደጋፊ ዲሞክራሲ ስምምዕ ተፈራሪሞም


ንሱዳን ዘመሓድሩ ዘለዉ ጀነራላትን ምስ ቀንዲ ደጋፊ ዲሞክራሲ ዝኾነ ጉጅለ ምርጫ ክሳብ ዝካየድ ሓደ ቀጥዒ ስምምዕ ተፈራሪሞም። እቲ ስምምዕ ብሲቪል ዝምራሕ ሓድሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ክቀውምን፡ እዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ኸኣ ንምርጫ’ታ ሃገር ክመርሕን ኣብ ፅባሕ’ቲ ናይ ጥቅምቲ 2021 ዕልዋ መንግስቲ ንዝደስከለ ስግግር ናብ ዲሞክራሲ መንገዲ ክፈጥርን ዝተመባፀዐ’ዩ።

እዚ ብኽልተ ላዕለዎት ጀነራላት ሱዳንን እቲ ዝዓበየ ጥምረት ሓይልታት ነፃነትን ለውጥን ዝተባህለ ደጋፊ ዲሞክራሲ ጉጅለን ኣብ ኻርቱም ዝተፈረመ ስምምዕ፡ ፈላማይ ናይቲ ተወጢኑ ዘሎ እንተወሓደ ካልኦት ክልተ ስምምዓት’ዩ። ብመሰረት’ቲ ረቂቅ ስምምዕ ሰራዊት ሱዳን ኣብ ፖለቲካ ካብ ምስታፍ ክስሕብ’ዩ። ብተወሳኺ እቶም ሓይልታት ለውጢ ንኽልተ ዓመታት ዝፀንሕ መሰጋገሪ መንግስቲ ዝመርሑ ቀዳማይ ሚኒስተር መን ከም ዝኸውን ክውስኑ’ዮም። እቲ ናይ ኽልተ ዓመታት እዋን መሰጋገሪ ዝጅምር ቀዳማይ ሚኒስተር ድሕሪ ምምዛዙ’ዩ።

እንተኾነ ሓያለ ቀንዲ ተቃወምቲ ካብቲ ስምምዕ ርእሶም ብምግላል ኣይተፀንበሩን። ካብ መንጎ እዚኣቶም መርበብ ምስቶም ንሱዳን ዘመሓድሩ ዘለዉ ጀነራላት ልዝብ ብቀፃሊ ዝኣበየ መርበብ ሓፋሽ ሱዳን ዝተባህለ ጉጅለ’ዩ።ኮሚቴ’ዚ መርበብ ነቲ ብጉጅለ ዲሞክራሲ ምስቶም ጀነራላት ዝተገብረ ስምምዕ ብምቅዋም ኸኣ ተቃውሞ ሰልፊ ክካየድ ፀዊዕም’ለዉ።

XS
SM
MD
LG