ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን ካብ ሩስያ እትዕድጎ ነዳዲ ኣብ 2022 ክትዛዝሞ ምዃና ተመልክት


ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናሊና በርቦክ
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናሊና በርቦክ

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ጀርመን ኣናሊና በርቦክ፡ ብረቡዕ ምስ ናይ ባልቲክ መዛኑኣ ድሕሪ ዝገበረቶ ርክብ፡ ካብ ክራማት ኣትሒዙ፡ ሃገራ ካብ ሩስያ እትዕድጎ ነዳዲ ብፍርቂ ከተጕድሎ ምዃና ሓቢራ። እታ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ወሲኻ፡ ኣብ ዝሓለፈ እዋን ጌጋ ከም ዝተገብረ ድሕሪ ምምልካት፡ ሕጂ ግን ንድሕሪት ምምላስ ስለ ዘይከኣል እቲ ዘሎ ምርጫ ቀስ ብቐስ እናጕደልካ ምኻድ ጥራይ ምዃኑ ኣረዲኣ። መጠን እትዋት ነዳዲ ሩስያ እናጕደለት ክትመጽእ መዲባ ዘላ ጀርመን፡ ኣብ መወዳእታ ናይዚ ሒዝናዮ ዘሎና ዓመት ናብ ባዶ ከም ተብጽሖ እቲ ሚኒስተር ገሊጻ።

ካልኦት ሃገራት ኤውሮጳ’ውን ተመሳሳሊ ስጕምቲ ክወስዳ ድማ ሚኒስተር በርቦክ ጸዊዓ ኣላ።

XS
SM
MD
LG