ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ጀርመን: ብመንገዲ ፕሮግራም መግቢ 8 ሚልዮን ዩሮ ሓገዝ ንኢትዮጵያ ምሃባ ተሓቢሩ


ጀርመን ብፕሮግራም መግቢ ዓለም ኣቢላ ሸሞንተ ሚልዮን ዮሮ ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ሓገዝ ልግሲ ከምዝሃበት ፋና ብሮድካስቲንግ ገሊጹ።

ብመሰረት ዜና ፋና "እቲ ገንዘብ፣ ኣብ ትግራይ ብወፍሪ ምኽባር ሕጊን ብሰንኪ ለውጢ ኣየርን ንዝተጎድኡ 2.1 ሚልዮን ሰባት ንምድጋፍ ዝውዕል እዩ" ይብል። ብዘይካ'ዚ፣ ኣብ’ታ ሃገር ንዝርከቡ ስደተኛታት’ውን ዝባጻሕ እዩ።

ፋና ኣብ ኢትዮጵያ ተወካሊ ፕሮግራም መግቢ ዓለም ስቴቨን ዌር ኦማሞ "ነቲ ድጋፍ እዋናዊ እዩ ኢሎም ኣመስጊኖም" ይብል።

XS
SM
MD
LG