ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ናብ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ዝላኣኽዎ ቅሉዕ ደብዳቤ


ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል -ፋይል
ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል -ፋይል

ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ናብ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ኣብ ዝላኣኽዎ ቅሉዕ ደብዳቤ "ማሕበረ ሰብ ዓለም ሓይልታት ትግራይ ዝሓለፈ ሕዳር ካብ ጎረባብቲ ክልላት ክስሕቡ ከለው፣ ንሰላምን ህድኣትን ኢትዮጵያ ዋሕስ እዩ ምባሎም ግጉይ መደምደምታ እዩ። ሰራዊትና ናብ ማእከል ሃገር ክገብሮ ዝኽእል ገስጋስ ሎሚ’ውን ኣብ ቦትኡ ኣሎ’ውን" ይብል።

ዶ/ር ደብረጽየን ኣብ ደብዳብ ኦም "ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝርከቡን ኤርትራ ኣብ ቁልፊ ዓውድታት ቁጠባ ኢትዮጵያ ኢዳ ከምዘእተወት፣ ሰራዊት ኤርትራ ሎሚ’ውን ንግዝኣት ትግራይ ይቆጻጸር ከምዘሎ፣ መንግስቲ ኤርትራ ምስ ሰላም ዘይሳነ ስለዝኾነ፣ ነዚ ሓይሊ’ዚ ምቁጽጻር ወይ ገለል ንክብል ክሳብ ዘይተገብረ ኣብ ኢትዮጵያ ሰላም ንክመጽእ ዝግበር ጻዕሪ መወዳትኡ ድኻም እዩ ኮይኑ ዝተርፍ’ ኢሎም ።

እቲ ደብዳብ ወሲኹ "ዕላማና እዚ ወሪዱና ዘሎ ኣዕናዊ ግጭት ብሰላማዊ ኣገባብ ምድቃስ ከምዝኾነ ንጹር ክኾን ኣለዎ። ዝኣክል ሞትን ዕንወትን ኣጋጢሙ እዩ። እንተኾነ፣ ተኣማኒ መስርሕ ሰላም ክሳብ ዘይተተግበረ፣ ዜጋታትና ብጥምየትን ክንከላኸሎም ብንኽእል ሕማማትን እናሞቱ ክንሪኢ ድልየትና ኣይኮነን። ስለዚ፣ ሰላማዊ ኣገባብ ዘይሰርሕ እንተኾይኑ፣ ንትግራይ ምድራዊ ሲኦል ገይሩዋ ንዘሎ ዕጽዋ ንምፍንጻሕ ካልእ ኣማራጺ ንክንጥቀም ክንግደድ ኢና" ይብል።

ዶ/ር ደብረጽየን ገ/ሚካኤል ናብ ዋና ጸሓፊ ሕ/ሃ ዝላኣኽዎ ቅሉዕ ደብዳቤ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:43 0:00

XS
SM
MD
LG