ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ናብ መዝነት ዝመጹ ብቃልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ’ዩ” ዶ/ር መረራ ጉዲናን ፕሮ. ብርሃኑ ነጋን


ፕሮ ብርሃኑ ነጋ: ዶ/ር መረራ ጉዲና
ፕሮ ብርሃኑ ነጋ: ዶ/ር መረራ ጉዲና

ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድን ናይ ለውጢ ጉጅልኦምን ናብ ስልጣን ዘደየቦም ቓልሲ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ክብሉ ክልተ መራሕቲ ተቓውምቲ ፓርትታት ኢትዮጵያ ኣፍሊጦም።ቀዳማይ ሚንስትር ኮይኖም ክምረፁ ኣሜሪካ ኢዳ ኣእትያ እያ ንዝብል ከምዘይቕበልዎ ዶ/ር ብርሃኑ ነጋን ፕሮፌሰር መረራ ጉዲናን ይገልጹ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ከተማ መቐለ ኣብዝተኻየደ መድረኽ ዘተ ዝተልዓለ ጉዳይ መሰረት ብምግባር ድምጺ ኣሜሪካ ዘዘራረቦም ዶ/ር ብርሃኑ ፕሮፌሰር መረራን ኣብ ባይታ ንዘሎ ሓቂ ኣየንፀባርቕን ኢሎም።

ኣቦ መንበር ኣርበኞች ግንባር 7 ግንቦት ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ኣብ መቐለ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዝርዝር ከምዘይተኸታተሉዎ ብምግላፅ ብድምጺ ኣሜሪካ ካብ ዝተመሓላለፈ ሪፖርትን ኣብቲ ኣኼባ ሰባት ተዛረቦምዎ ካብዝተብሃለን ግን ኣብ ዝተፈላለየ ዓለም ንነብር ዘለና እዩ ዝመስል ኢሎም።።

“ኣብቲ ከባቢ ዘለው ሰባት ንኩነታት ኢትዮጵያ ምርዳእ ዘይኮነስ ንባዕሎም ከዊሎም ቅድሚ ሎሚ ይነብርሉ ዝነበሩ ዓይነት ኣመለኻኽታን ስምዒትን ከምዝርከቡን ነቲ ለውጢ ካብ ሱሩ ንምርዳእ ይፍትኑ ከምዘየለውን እዩ።ኣብ መስርሕ ለውጢ ኩሉሻዕ ክፍጠሩ ዝኽእሉ ሽግራት እናግዘፉ ናይ ዝሓለፈ ናትና ይሐይሽ፣ዝተረጋግአን ሰላምን ነይሩ… ምናልባሽን እውን ናይ ዝሓለፈ ዝሓሸ ልኡላዊነት ዝተንፀባረቐሉ ነይሩ ኣብ ዝብል ናይ ሕልሚ ዓለም ዘለው እዮም ዝመስሉ።”

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ለውጢ ብመሰረታዊ መልክዑ እናተለወጠ ምዃኑ ንሳቶምን ካልኦትን ኣብታ ሃገር የካይዱዎ ዘለው ምይይጣት ካብቲ ንሳቶም ኣብ ስልጣን ዝነበርሉ እዋን ዝተፈለየ ምዃኑ ኣይተረድኡዎን ዘለው ኢሎም ።

ኣቦ መንበር ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን ኣባል ኣመራርሓ መድረኽን ዝኾኑ ፕሮፌሰር መረራ ጉዲና ብወገኖም ቀንዲ ምኽንያት ኣብ ኢትዮጵያ ይርኣዩ ናይ ዘለው ሽግራት ፀጥታ ነቲ ለውጢ ዘይድግፉ ኣብ ውሽጢ ኢህወዴግ ዝርከቡ ሓይልታት እዮም ኢሎም።

“እቲ ዓብዪ ሓደጋ ምእታው ናይ ወፃኢ ጣልቃ ኣይኮነን።ኢህወዴጋዊያን ነቲ ለውጢ ተሰማሚዖም ንቕድሚይ ኣይመርሑዎን ዘለው።ሓደ ንድሕሪት እናጎተተ እቲ ካልእ ንቕድሚት ንምድፋእ እናፈተነ ምናልባሽ እታ ሃገር ቀሊል ናብ ዘይኮነ ቅልውላው እናደፍኡዋ ዘለው ይመስለኒ።”

ፕሮፌሰር መረራ ኣብ ኣዋሰንቲ ወረዳታት ክልላት ሶማሊያን ኦሮሚያን ግጭታት ምቕፃሎምን ኣብ ዶባት ክልላት ኦሮሚያን ቤንሻጉል ጉሙዝን ዘለው ዝለዓለ ምምዝባላት፤ዕንወትን ዘረፋን ንብረት፣ዝካየዱ ዕጥቃዊ ስልጠናታት፣ከቢድ ብረት ሓዊሱ ምትእትታው ኣፅዋርን ክርአ ከሎ ካብ ናይ ወፃኢ ሓይሊ ዘይኮነስ ኣብቲ ለውጢ ዘይተሰማምዑ ናይ ኢህወዴግ ክንፍታት ዝፈጥረዎ ምስሕሓብ እዩ ዝመስል ኢሎም።

ኣቦ መንበር ህውሓት ዶ/ር ደብረፅዮን ገብረሚካኤል ኣብዝሓለፈ እዋን ኣብ ዘስምዕዎ መደረ ጣልቃ ምእታው ናይ ወፃኢ ኣሎ ኢሎም ነይሮም።

ላዕለዋይ መሪሕነት ህውሓት ዝነበሩ ኣቶ ስብሓት ነጋ ኣብዚ ሰሙን ኣብዝሃብዎ ርእይቶ ድማ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣቦ መንበር ገይሩ ኣብዝመረፀ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ኢህወዴግ ኢድ ኣሜሪካ ኣለዎ ኢሎም ኣለው።

ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ ግን በዚ ኣይሰማምዑን።

“ናይ እኒ ኣብይ መንግስቲ እቲ ህዝቢ ይኣክል ብምባሉ ዝመፁ እእዩ።ብዝተወሰነ ነዚ ስርዓት ንምድሓን፣ንሳቶም እውን ከም ድላዮም ክዛረቡ ዝኽኣሉ እኒ ኣብይ ብምምፅኦምን ብዝተወሰነ ደረጃ ነቲ ማሕበረሰብ ንምርግጋእ ብምኽኣሎምን እዩ።እቲ ስራሕ ግን ኣይተወድአን፤ገና ብዙሕ ስራሕ ዝሓትት እዩ።”

ሕጊ ዘኽብሩ እንተኾይኖም ብዙሕ ገበንን ብልሽውናን ሰሪሖም ኣብ ውሽጦ ተሓቢኦም ዘለውን ናብ ሕጊ የቕርቡ’ሞ ድሕሪኡ ዝተረጋግአትን ዴሞክራሲያዊትን ሃገር ክንፈጥር ኢና ኢሎም ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ።

ዶ/ር መረራ ጉዲና እውን ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቦም ኣለው።

“ናይ ህዝቢ ቓልሲ ዘምፅኦ ለውጢ እምበር ፈረንጂ ንመንእሰይ ኦሮሞ ክንቀሳቕስ፣ፈረንጂ ናብ ጎንደር ከይዱ ንመናእሰይ ክመርሕን ከንቀሳቕስን ወይም ክውድብን ኣይርኣኹን።”

ኣቦ ወንበር ኦፌኮ ዶ/ር መረራ ጉዲናኣብዚ ሕጂ እዋን ይካየድ ዘሎ ለውጢ ብናይ ኢትዮጵያ መናእሰይ፣ናይ ኦሮሞ መናእሰይ እዩ ኢሎም ።

ኣዲስ ኣበባ ዝርከብ ኤምባሲ ኣሜሪካ ትማሊ ኣብዝሃቦ ርእይቶ ኣሜሪካ ኣብ ምርጫ ዶ/ር ኣብዪ ኢዳ ኣእትያ እያ ዝብል መሰረት-ኣልቦ እዩ ክብል ገሊፁዎ’ሎ።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

XS
SM
MD
LG