ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶ/ር አምባቸው መኮንን ዋና ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ተመዚዞም


ዶ/ር አምባቸው መኮንን
ዶ/ር አምባቸው መኮንን

ቤት ምኽሪ ብሄራዊ ክልላዊ መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ንናይ ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ናይ ስልጣን ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባል ንዶ/ር ኣማባቸው መኮነን ዋና ኣማሓዳሪ ገይሩ ሸይሙዎም።

ንሰለስተ መዓልታት ክካየድ ዝቐነየ ስሩዕ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ሎሚ ኣኼብኡ ክዛዝም ከሎ ንኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ናይ ስልጣን ምልቃቕ ሕቶ ብምቕባልን ኣብ ክንድኦም ንዶ/ር ኣምባቻው ኣመኮነን ዋና ኣማሓዳሪ ገይሩ ሸይሙዎም ኣሎ።

ዶ/ር ኣማባቸው መኮነን ቃለ መሓላ ምስ ፈፀሙ ኣብዘስምዕዎ መደረ ትኹረት ዝቕፅል ናይ ስልጣን ዘመኖም ፅኑዕ መሓውር መንግስቲ ምምስራት፣ናይ ለውጢ ኣመራርሓ ምህናፅን ኣብቲ ክልል ሕግን ስርዓትን ምስፋንን ክኸውን እዩ ኢሎም።

“ምስዞም ተግባራት ብዝተኣሳሰረ ትኹረት ተዋሂቡዎ ዝስራሕ ካልእ መሰረታዊ ስራሕ ህዝብና ሕጊ ንከኽብር፣ሕጊ ክኽበር ክገብርን ብሕጊን ሕጊን ጥራሕ ክምራሕን ብምግባር መሰረታዊ መንግስታዊ ስርዓት ናይ ምኽባርን ልዕልነት ሕጊ ናይ ምርግጋፅን ስራሕ ክኸውን እዩ።”

ሰላም ኣብ ኩለመዳያዊ ልምዓት ዘለዎ ኣወንታዊ ኣበርኽቶ ዝለዓለ ስለዝኾነ ሓገዝኩም ኣይፈለየና ድሕሪ ምባል ረብሓ ህዝቢ ኣምሓራ ንምኽባር ምውዳብ ወሳኒ እዩ ኢሎም።

“መሰል፣ረብሓ፣ክብርን ነፃነትን ህዝቢ ኣምሓራ ንምኽባር ፍቱን መፍትሒኡ ምውዳብን ምምይያጥን ምዃኑ ብምእማን ክልልና ነዚ ምቹእ ክኸውን ብዕቱብ ክንሰርሓሉ ምዃንና ደጊምና ክነረጋግፀልኩም ንፈቱ።”

ኣቶ ገዱ ኣንዳርጋቸው ኣብ ዘስምዕዎ ናይ ስንብት መደረ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ናይ ስልጣን እዋኖም ኣብ ማሕበራዊ ቁጠባውን ፖለቲካዊ ጉዳያትን ናይቲ ክልል ተረባሕነት ህዝቢ ንምርግጋፅ ዘዕግብ ስራሕ ምስርሖ ገሊፆም።

ውሽጣዊ ሓድነት ህዝቢ ኣምሓራ ምሕያል ቅድሚ ኩሉ ዝርአ ኣጀንዳ ክኸውን ኣለዎ እውን ኢሎም።

“ውሽጣዊ ሓድነት ዘይብሉ ህዝቢ ብቑፅሪ እንተበዝሐ እውን ክንዲ ድላዩ ንዋታውን ተፈጥሮኣውን ሃብቲ እንተሃለዎ እውን ከዕውት ኣይክእልን እዩ።ስለዝኾነ ካብ ዘይተዓረየን ዝተበታተነን ኣተሓሳስባ ብምውፃእ ኣብ ዙሪያ ናይ ሓባር ህልውንኡ ዘረጋግፅ፣ምስ ካልኦት ሕውነት ክፈጥርን ከሐይልን ዝኽእለሉ ሰላማዊ፣ዴሞክራሲያውን ልምዓታውን ኣጀንዳ ክተኣኻኸብ ኣለዎ።”

ምስ ጎረባብቲ ክልላት ኣብ ሰላም፣ፍቕርን ምክብባርን ዝተመስረተ ሓድነት ምሕያል የድሊ እዩ ዝብሉ ኣቶ ገዱ ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይን ኣምሓራን ዘሎ ርክብ ሓቃውን ዘለኣለማውን እዩ፤ብፍሉይ ትኹረት እውን ክረአ ኣለዎ ኢሎም።

እዞም ክልተ ህዝብታት ብታሪኽ፣ብሃይማኖት፣ብባህልን ህንፀት ሃገርን ዝተፈላለየ ርክብ ዘለዎምን ዘኹርዕ ናይ ሓባር ክብሪ ክሃንፁ ዝፀንሑን ኣሕዋት ህዝብታት እዮም እውን ኢሎም።እዚ ፅቡቕ ርክብ ካብ እዋን ናብ እዋን እናተሸርሸረ እቲ ሓደ ነቲ ካልእ ብጥርጣረ ዝርየአሉን ኣብ ስግኣት ዝተመስረተ ርክብ እናሰፍሐን መፂኡ’ሎ ኢሎም።

እዚ ክኸውን ዝኽኣለ ብደረጃ መሪሕነት ንኣምሓራ ዝፀልእ ሱር ዝሰደደ ኣተሓሳስባ ምትሓዙ ጥራሕ ዘይኮነስ ህዝቢ ኣምሓራ ካብ ጨቋኒ ስርዓት ብፍሉይ ተረባሒ ከምዝኾነ ብኻልኦት ናይ ኢትዮጵያ ህዝብታት ብጥርጣረ ክርአ ዝተጋገየ ፕሮፖጋንዳ ብምዝርግሖም እዩ ኢሎም።

“ካብ ቀረባ እዋን ጀሚሩ ድማ ኮነ ተባሂሉ ንህዝቢ ትግራይ ኣብ ስግኣትን ጥርጣረን ዘእቱ ኣብ ሓሶት ዝተመስረተ ‘ኣምሓራ ክወረካ እዩ’ ዝብል ወፍሪ ናይ ክልቲኦም ህዝብታት ርክብ ዘሕርፍፍ ተተሊሙ ይስርሐሉ’ሎ።ብኻልእ ወገን ድማ ብሽም ህዝቢ ኣምሓራ እናምሓሉን እናተገዘቱን ህዝቢ ትግራይ ንስግኣት ዘቃልዑ መግለፂታትን ዘይእርኑብ ፕሮፖጋንዳን ነቲ ኩነታት እናጋደዶ ምዃኑ ክፍለጥ ኣለዎ።በዚ ኣጋጣሚ ንህዝቢ ኣምሓራ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ ካብ ክልቲኡ ኣንፈታት ዝንዛሕ ፅልኢ ዝሓዘሉ ወፍርታት ኣብ ትግራይ ዝርከብ ሰሪሑ ዝሓድር ህዝቢ ሓቃዊ ፈታዊኻ ምዃኑ እዩ።”

ርክብ ህዝቢ ኣምሓራን ትግራይን ዘለኣለማዊ እዩ ዝበሉ ንሶም ምስ ወሰንን መንነትን ዝተኣሳሰሩ ሕቶታት ሰላማዊ፣ሕግን ታሪኽን መሰረት ብምግባር ብድልየት ህዝቢ ተመስሪቱ ምፍታሕ ዝክኣል ምዃኑ ብፅኑዕ እኣምን እየ ኢሎም።

ብኻልእ ዜና ድማ ኮምቴ ፈፃሚ ስራሕ ዴሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣምሓራ ናይቲ ፓርቲ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ኣቶ ምግባሩ ከበደ ብማዕረግ ዋና ኣማሓዳሪ ናይቲ ክልል ጠቓላሊ ዓቃቢ ሕጊ ገይሩ ሸይሙዎም።

ምሉእ ትሕዝቶ ጸብጻብ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።

ዶ/ር አምባቸው መኮንን ዋና ኣመሓዳሪ ክልል ኣምሓራ ኮይኖም ተመዚዞም
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:31 0:00

XS
SM
MD
LG