አዲስ አበባ —
ሓዲሽ ዝተመስረተ ናይ ተቓውሞ ልፍንቲ ካብ ዝመርሑ ሓደ`ዩ- ዶ/ር ብርሃኑ ነጋ። ዜጋታት ኢትዮጵያ ንማሕበራዊ ፍትሒ(ኢዜማ) ዝተባህለ ውድብ ይመርሕ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተጋብአ ፓርላማ ኢትዮጵያ፡ ብጋሻነት ተዓዲሞም ካብ ዝተሳተፉ መራሕቲ ተቓወምቲ ሓደ ኔሩ። ንሱ ብዛዕባ`ቲ ብቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረበ ትርር ዝበለ መደረ ንድምጺ ኣሜሪካ ርእይትኡ ሂቡ`ሎ።
“ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢይ ኣብ ልዕሊ ሕጋዊ ዘይኮነ ኣካይዳ፡ ተሪር ስጉምቲ ምውሳድ ከምዝጅምሩ ዝእምት`ዩ” ይብል።