ዋሽንግተን —
ደራሲ ልዕሊ 20 መጽሓፍቲ፡ ሓደ ካብ መስረትቲን ናይ ፈለማ ኣካያዲ ስራሕን ማሕበር ረዲኤት ኤርትራ (ኤራ)፡ ከምኡ’ውን ኣቦ-መንበር ኮሚሽን ቅዋም ኤርትራ ዝነበሩ ዶክተር በረኸት ሃብተ ስላሴ ዝሓለፈ ሰሙን መበል 90 ዓመቶም ኣኽቢሮም። ነዚ ሓያሎ ፈተውቶምን መቕርቦምን ኣብ ዝተረኽቡሉ ኣጋጣሚ ጽንብል መበል 90 ዓመቶም ከም መበገሲ ብምውሳድ፡ ንተመኵሮ ህይወቶም ኣመልኪትና ዓዲምናዮም ኣሎና።