ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024 ክሳተፉ ምዃኖም ኣፍሊጦም


ንውጽኢት ምርጫ 2020 ብዘይምቕባሎምን ክግልብጡ ምፍታኖምን ኣብ ነዊሕ ጠመተ ዝጸንሑ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2024 ክወዳደሩ ምዃኖም ትማሊ ሰሉስ ኣብ መንበሪኦም ፍሎሪዳ ኣዊጆም።

ኣብቲ ኣብ ትካሎም ማራ-ላ-ጎ ንደገፍቶም ዘስምዑዎ ቃል፡ ፕረዚደንት ባይደን ንቍጠባ ኣመሪካ ድሕሪት መሊሱዎ ብምባል ነቒፎም። ነቲ ወዲቑ ዝበለዎ ቍጠባ ሃገር ንምሕዋይ ድማ ክወዳደሩ ምውሳኖም እቶም ፕረዚደንት ነበር ወሲኾም ኣፍሊጦም።

ክልተ እዋን ክሲ ዝቐረቦም ዶናልድ ትራምፕ፡ ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ንኻልኣይ እዋን ዘይተመርጹ ፕረዚደንት ካልኣይ ምዃኖም’ዮም። ምስ ትራምፕ ካብ ዓቃባዊ ሰልፊ ኣብቲ ውድድር ክኣትዉ ትጽቢት ዝግበሮም ናይ ቅድም ምኽትል ፕረዚደንት ማይክ ፐንስ፡ ኣማሓዳር ፍሎሪዳ ሮን ደሳንቲስ ናይ ቅድም ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ማይክ ፖምፐዮን ክዀኑ ከም ዝኽእሉ ይግመት።

XS
SM
MD
LG