ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ ተዓጽዩ ንክጸንሕ ተወሲኑ


ሓባራዊ ዶብ ኣሜሪካን ካናዳን ንተወሳኺ ሓደ ወርሒ ተዓጽዩ ንክጸንሕ ሰበ ስልጣን ክልቲኤን ሃገራት ተሰማሚዖም።

ካብ ዋሽንግተንን ኦታዋን ዝተዋሃበ መግለጺታት ‘እቲ 8893 ኪሎ ሜትሮ ዝንውሓቱ ዶባት ካናዳን ኣሜሪካን፣ ብዘይካ ንናይ ንግዲን ኣገደስቲን ትራፊካት፣ ኩሎም ዝውውራት ዕጹው ኮይኑ ንክጸንሕ ተሰማሚዕና ኣለና’ ይብል።

እዚ ማለት፣ ንግዳዊ ኣቁሑ ከምኡ’ውን ኣብ ግዝኣት ክልቲኤን ሃገራት እናነበሩ ኣብ’ታ ካልእ ሃገር ዝሰርሑ/ዝሰርሓ ሰብሞያ ሕክምናን ጥራሕ ክሰግሩ ከምዝኽእሉ እቲ ሰነድ ስምምዕነት ይሕብር።

XS
SM
MD
LG