ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

'ዶብ ምሕንጻጽ፡ ህዝቢ ምፍንቓል ማለት ኣይኮነን'


ኣቶ ኣለም ዘሞ
ኣቶ ኣለም ዘሞ

ብዛዕባ`ቲ ኣብ ባድመን ኣብ ዝተፈለለየ ከተማታት ክልል ትግራይ ኢትዮጵያን ዝካየድ ዘሎ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ፡ ከም ኤርትራዊ ርእይትኡ ክህብ ዝተሓተተ ነባሪ ስዊድን ኣቶ ኣለም ዘሞ፡ ውሳነ ኮሚሽን ዶብ ብዛዕባ ምምልካት መሬት`ምበር ብዛዕባ ምጥራር ሰባት ኣይዛረብን`ዩ ኢሉ።

ኣቶ ኣለም፡ ስራሕ ኣህጉራዊ ኮሚሽን ዶብ፡ ካብ ራስ-ዱሜራ ክሳብ ኦምሓጀር ዘሎ ነዊሕ ዶባት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምምልካት`ምበር ፡ብዛዕባ ዓድታትን ህዝብታትን እንተኾይኑ ድሕሪኡ ህዝቢ ኣብ ዝጥዕሞ ክነብር ብምርድዳእ ዝፍጸም`ዩ ዝኸውን ኢሉ።

ኣተሓሒዙ፡ ድሕሪ ባእስን ህልቀትን ናብ ቤት ፍርዲ ተኸይዱ ዝተፈረመ፡ ሰላም ንኽምጽእ ተባሂሉ`ዩ ድሕሪ ምባል፡ እቲ ውዕልን ውሳነን ሰላም ዘምጽኣሉን፡ ጎረባብቲ ህዝብታት ክልቲአን ሃገራት ከም ቀደሞም ብሓባር ዝነብርሉ ኩነታት ንምፍጣር ስለዝኾነ እቲ ዝቐደመ ክንገብር ግድን`ዩ ኢ።

ምሉእ ትሕዝቶ ቃለ-መጠይቕ ኣብ`ዚ ምስማዕ ይክኣል።

'ዶብ ምሕንጻጽ፡ ህዝቢ ምፍንቓል ማለት ኣይኮነን'
please wait

No media source currently available

0:00 0:04:42 0:00

XS
SM
MD
LG