ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሮ በዓል ኢሬቻ ኣብ ከተማ አዲስ አበባ ተጸንቢሉ


አብ ከተማ አዲስ አበባ መስቀል ኣደባባይ ሎሚ ዓርቢ ስነ ስርዓት ድሮ በዓል ኢሬቻ ምክያዱ ተፈሊጡ።

ምኽትል ዋና ኣማሓዳሪ ክልል ኦሮሚያ ኣቶ ሽመልስ ኣብዲሳ፣ምኽትል ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኢንጂነር ታከለ ኡማን ዝርከቡዎም ብርክት ዝበሉ ሰበስልጣን መንግስትንቲ፣ኣባ ገዳታትን ካብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኦሮሚያ ዝመፁ ተሳተፍትን ተረኺቦም ኔሮም።

ኣብቲ ስነ ስርዓት መደረ ዘስምዑ ምኽትል ከንቲባ ኢንጂነር ታከለ ኡማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ኢሬቻ ክተኽብር ከላ ናይ ኩሎም ኢትዮጵያዊያን ብምዃናን ናይ ኩሎም ክትኸውን ካብ ዘሎ ድልየትን እዩ ኢሎም።

ዝተፈላልየ ባህላዊ ምርኢታት ኣብቲ ጽንብል ቐሪቦም።4 ሽሕ ሜትር ወይ ኣርባዕተ ኪሎ ሜትር ዝንውሓቱ ጩኮ ተባሂሉ ዝፅዋዕ ናይ ኦሮሞ ባህላዊ መግቢ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከብ ባህላዊ ማእኸል ኦሮሞ ሎሚ ንምርኢት ቀሪቡ’ሎ።

ጩኮ ኣብ ህዝቢ ኦሮሞ ንመርዓን ዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታትን ዝቐርብ ካብ ጠስሚ፣ስገምን ዝተፈላለዩ ቕመማትን ዝስራሕ ባህላዊ መግቢ እዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ ኸሎ ናይ ኣምሓራ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ሓው ንዝኾነ ህዝቢ ኦሮሞ እንዃዕ ኣብፀሐካ ክብል መግለፂ ኣውፂኡ።

እቲ መግለጺ ህዝቢ ኣምሓራን ኦሮሞን ንዘመናት ሓቢሩ ዝነበረን ሕማቕን ፅቡቕን ዘሕለፈን ብመውስቦ ዝተኣሳሰረን ህዝቢ ኮይኑ ኣብቶም ዝሓለፉ 50 ዓመታት ግን ርክብ ክልቲኦም ህዝብታት ናይ ጨቋንን ተጨቋንን ከምዝነበረ ተገይሩ ብምቕራቡ ኣብ መንጎ ክልቲኦም ህዝብታት ዝነበረ ፅኑዕ ምትእስሳር ንክልሕልሕ ተሰሪሑ እንተኾነ እዚ ውን ኣይተዓወተን ይብል።

XS
SM
MD
LG