ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሬዳዋ: ዝሓለፈ ወርሒ ዝተላዕለ ግጭት ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝጸንሑ 86 ተጠርጠርቲ ተፈቲሖም


ድሬዳዋ
ድሬዳዋ

ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ድሬዳዋ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ በዓል ጥምቀት ምስ ዝነበረ ግጭት ብዝተኣሳሰረ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ካብ ዝጸንሑ ተጠርጠርቲ 86 ሰባት ክሶም ተቋሪፁ ትማልን ሎሚ ዓርብን ካብ ቤት ማእሰርቲ ምውፅኦም ተፈሊጡ።

ካብ መንጎ እቶም ዝተፈትሑ ኣሰልጣኒ ፌደረሽን ጉስጢ ምምሕዳር ድሬዳዋ ኤፍሬም ነጋሽን ክልተ ኣባላት ኣመራርሓ ናይ ኣምሓራ ዴሞክራሲያዊ ፓርትን ይርከቡዎም።

ኣብ ጨንፈር ድሬዳዋ ምኽትል ሓላፊ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ረድኤት ግርማይ ጉዳዮም ተፃሪዩ ንመጻኢ ዝፍትሑ ካልኦት ተጠርጠርቲ እውን ክህልው እዮም ኢሎም።

13 ጥሪ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብታ ከተማ ብዝነበረ ዕግርግር ሰለስተ ሰባት ቆሲሎም ዝተወሰነ ንብረት ምዕናው ፖሊስ ገሊፁ እዩ።ልዕሊ 300 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሎም ከምዝነበሩ'ውን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG