ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሬዳዋ: ኣብ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዝተሳተፉ 9 ፓርቲታት እቲ ምርጫ ብሰላም ምዝዛሙ ብምግላጽ ውጽኢት ከምዝቕበልዎ ኣፍሊጦም


ኣብ ድሬዳዋ ዝተሳለጠ ሻድሻይ ሃገራዊ ምርጫ ዝተሳተፉ ትሸዓተ ፓርቲታት፣ መስርሕ እቲ ምርጫ ፣ ሰላማዊ ኮይኑ ስለዝተዛዘመ፣ ንውጽኢት ምርጫ ከምዝቅበሉ ኣፍሊጦም።

ሓባራዊ ቤት ምኽሪ ፓርቲታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ሓይልታት ጸጥታ’ቲ ክልል ንምዕዋት’ቲ ምርጫ ካብ’ኦም ትጽቢት ዝግበር ዘበለ ኣበርኪቶም’ዮም ክብሉ'ውን ኣመስጊኖም።

ምምሕዳር’ታ ከተማ ብወገኑ "ንምዕዋት ልምዓት ድሬዳዋ፣ ምስ ተቃወምቲ ፓርቲታት ሓቢረ ክሰርሕ’የ" ከምዝበለ ተሓቢሩ'ሎ።

XS
SM
MD
LG