ኣዲስ ኣበባ —
ዝሓለፈ ሰንበት ድሕሪ ሓፂር ሕማም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝዓረፈ ውሩይ ድምፃዊ ዳዊት ነጋ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ ብሰሉስ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ቤተክርስቲያን ካቴድራል ቅድስት ስላሰ ተፈፂሙ ኣሎ።
ኣብቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝተረኽበ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ንመሳርሕቲን ቀረብቲን ዳዊት ብምዝርራብ፡ ንስራሓቱ፡ ኣበርክቶኡ ኣብ ዕብየት ሙዚቃ ትግርኛን ብዛዕባ ቅድሚ ሞት ዘዳልዎ ዝነበረ ዘይተዛዘመ ስራሕትን ንመደብ ቂሐ-ፅልሚ ኣዳልዩ ኣሎ። ብኣማውታኡ ኣመልኪቱ ብዛዕባ ዝስምዑ ሓደ ሓደ ዘረባታት ዝምልከት’ውን ኣዘራሪብዎም ኣሎ።