ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምጺ ኣሜሪካ ተጋሩ ንዘቅረብዎም ሕቶታትን ጠለባትን ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ  


"ድምጺ ኣሜሪካ(VOA) ነቲ ኣብ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ዘሎ ዅነታት ብርትዓዊን ብልክዕን ንምሽፋን ዚከኣሎ ኩሉ እዩ ዚገብር። እቲ ውግእ ኣብ’ቲ ዞባ ሓያል ስምዒት ፈጢሩ ከምዘሎ ንፈልጥ፣ ካብ ኵሎም ወገናት’ውን ንሰምዕ ኢና። ሸቶና ጭቡጥ ጋዜጠኛነት እዩ።

ጥርዓን ክንቅበል ከለና መርሚርና ስጉምቲ ንወስድ፣ ኣድላዪ እንተ ዀይኑ ኣብ ልዕሊ እቶም ቅኑዕ፣ ሚዛናውን ዝተማለአን ጸብጻብ ናይ ምፍናው መትከላትና ዝጥሕሱ ጋዜጠኛታት፣ ብዛዕባ እቲ ዝተጠቅሰ ይኹን ካልኦት ጸብጻባት ማለት እዩ፣ ስጕምቲ ንወስድ ኢና። ኮይኑ ግና፣ ብዛዕባ ገለ ሰራሕተኛታትና ርእይቶ ካብ ምሃብ ንቁጠብ።

ሓበሬታ ብናጻ ወገን ከነረጋግጽ ኢና ንፍትን። ድምጺ ኣሜሪካ ብቋንቋታት ኣምሓርኛ፣ ኣፋን ኦሮሞን ትግርኛን አቢሉ ናብ ኣስታት 12 ሚልዮን ሰባት ሰሙናዊ ኣገልግሎት ፈነወ ንልግስ። እዚ፣ ሰማዕቲና እቶም ንፍንዎም ሓበሬታታት ካብ ፖለቲካዊ ጣልቃ ምእታው ናጻ ምዃኖም ከምዝፈልጡ ዝሕብር እዩ። ነዚ ረዚን ሓላፍነት’ዚ ክብ ኣቢልና ኢና ንርእዮ። ከምኡ ንገብር ድማ፣ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ውግእ ኣብ ዝተወለዐሉ ጊዜ ጥራይ ዘይኰነስ ዜናታት መላእ ዓለም ኣብ እንሽፍነሉ እዋን’ውን እዩ" ይብል ምሕደራ ድምጺ ኣሜሪካ(VOA) ንተጋሩ ተቃወምቲን ደገፍቶምን ትማሊ ዘቅረብዎ ስምዕታን ተቃውሞን ኣብ ዝሃቦ ግብረ መልሲ።

ኣብ ዋሽንግተን ዲሲን ከባቢኣን ዝነብሩ ተጋሩን ካልኦት ኢትዮጵያዊያንን ‘ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ኣገልግሎት ኣምሓርኛን ትግርኛን፣ ነቲ ኣብ ትግራይ ንዝሓለፉ ኣስታት 200 መዓልታት ዝተካየደ ዝብልዎ ‘ህልቂት’፣ ጸግዒ ዝሓዘ ኣጸባጽባን ኣነኣኢሶም ብምርኣይን ሸፈነ ገይሮምሉ’ ክብሉ ኣብ ቅድሚ ህንጻ ሬድዮ ድምጺ ኣሜሪካ ከምዘቃልሑ ትማሊ ምግላጽና ዝዝከር እዩ።

XS
SM
MD
LG