ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተወላዶ ትግራይ ናብ ክልል ትግራይ ገንዘብ ምስዳድ ይጽገሙ ከምዘለው ይገልጹ


ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተወላዶ ትግራይ ናብ ክልል ትግራይ ገንዘብ ምስዳድ ይጽገሙ ከምዘለው ይገልጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:06:41 0:00

ድምጺ ኣመሪካ ዘዘራረቦም ተወላዶ ትግራይ ናብ ክልል ትግራይ ገንዘብ ምስዳድ ይጽገሙ ከምዘለው ይገልጹ

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብሩ ተወላዶ ትግራይ፣ ኣብ ክልል ትግራይ ናብ ዘለው ስድረኦም ስሩዕ ብዘይኮነ መንገዲ ገንዘብ ኣብ ዝሰድሉ እዋን ክሳብ 50% ዓስቢ ከምዝኸፍሉ ተዛሪቦም። እዚ ድማ ኣብ ናብረኦም ፅልዋ ምሕዳሩ ገሊፆም። እቲ ፀገም ዝተፈጠረ መንግስቲ መሰረታዊ ኣገልግሎት ብምዕፃው ስለዝኾነ፣ ነዞም ኣገልግሎታት ክኸፍቱ'ውን ፀዊዖም። ድምጺ ኣመሪካ ዘዛረቦም በዓል-ሞያ ዓውዲ ቁጠባ ብወገኖም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ምዕፃው ንዓለምለኸ ስምምዕ ዝፃባእ እዩ ይብሉ።

በዓል ሓዳርን ኣቦ ቖልዓን ከምዝኾነ ዝገልፅ ሚካኤል ደሳለኝ፣ ብሰንኪ እቲ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋ በዓልቲ ቤቱ ካብ ክልል ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ክትመፅእ ብዘይምኽኣላ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተፈላሊዮም ይነብሩ ምህላዎም ይዛረብ። ኣገልግሎት ባንኪ ስለዘየሎ ድማ ንስድርኡ ክሕግዝ ከምዘይከኣለ ይገልፅ።

ካልኦት ወሃብቲ ርእይቶ'ውን ንስድራና ካብዘለና ብምክፋል ካብ ጥሜት ክንነድሕኖም ብዘይምኽኣልና ንሓዝን ይብሉ።

እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ተነቢሩ ዘሎ ዕፅዋ ኣገልግሎት ባንኪ ነቲ ህዝቢ ናብ ዘይስሩዕ መንገዲ ከምዝደፈኦ በዓል-ሞያ ዓውዲ ቁጠባ ኣቶ ጠዓመ ባራኺ ይሕብሩ።

እቶም ወሃብቲ ርእይቶ ብሕጋዊ መንገዲ ንስድረኦም ገንዘብ ዝሰድሉ ዕድል ስለዘየሎ ክሳብ 50% ዓስቢ እናኸፈሉ ብዘይስሩዕ መንገዲ ብሰባት ኣቢሎም ገንዘብ ከምዝሰዱ: እቲ ዝሰድዎ ገንዘብ ኣብ መንገዲ ክተርፍ ከምዝኽእል፣ ውሕስና ከምዘይብሉ፣ ብእዋኑ ከምዘይበፅሕን፣ ምብፅሑ'ውን ዘረጋግፅሉ መንገዲ ከምዘየለን ይዛረቡ።

ርእይቶ እቶም ገንዘብ ዘብጽሑ ሰባት ንምርካብ ዝተኻየደ ፈተነ ኣይሰለጠን።

XS
SM
MD
LG