ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ 40 ዓመታት ንግዳዊ በረራ አዲስ አበባ- ሞቓዲሾ ጀሚሩ


ከምመቐጸልታ’ቲ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝረአ ዘሎ ምሕያል ዝምድና ጎረባብቲ ሃገራት: ድሕሪ 41 ዓመታት ንግዳዊ በረራ ካብ አዲስ አበባ ናብ ዋና ከተማ ሶማል ሞቓዲሾ ብቐዳም ብዝተኻየደ ፈላማይ በረራ ጀሚሩ።

እታ ዋንነታ ናይ ኢትዮጵያ ሃገራዊ መንገዲ ኣየር ዝተባህለ ናይ ውልቂ መንገዲ ኣየር ዝኾነት ነፋሪት ብቐዳም ካብ መዓርፎ ነፈርቲ አዲስ አበባ ተበጊሳ መዓርፎ ነፈርቲ ዓደን ዓደ ሞቓዲሾ ምእታዋን ኣብ ሰሙን ኣርባዕተ በረራታት ካብን ናብ አዲስ አበባ ሞቃዲሾ ከምተኻይድ ተፈሊጡ’ሎ።

ድሕሪ 40 ዓመታት ንግዳዊ በረራ አዲስ አበባ- ሞቓዲሾ ጀሚሩ
please wait

No media source currently available

0:00 0:02:32 0:00

“ነዚ ናይ ቐጥታ በረራ ካብ አዲስ አበባ ናብ ሞቓዲሾ ንምክያድ ምኽኣልና ንዓና ታሪኻዊ’ዩ። ቀሊል ኣይነበረን፡ ብተደጋጋሚ ክንፍትን ጸኒሕና ኢና እንተኾነ ኣብ መወዳእታ ተዓዊታ አለና።” ክብሉ ወናኒ’ቲ መንገዲ ኣየር ኣቶ አበራ ለማ እቲ ነፋሪት ሞቓዲሾ ኣብ ዝኣተወትሉ ዝተኻየደ ስነ ስርዓት ምቕባል ሓቢሮም።

መንገዲ ኣየር ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ነቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጸንሓ ግጭት ምዝዛም ስዒቡ ካብ ናብ ኣስመራ አዲስ አበባ በረራ ምጅማሩ ይዝከር።

እቲ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝጀመረ መስርሕ ሰላም ስዒቡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ሶማል ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና ምጅማሩ ኣብ መንጎ ኤርትራን ጅቡቲን ዝጸንሓ ውጥረት ድማ ናብ ንምዝዛሙ ይስራሕ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ቀ/ሚ ኢትዮጵያ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሶማል ዘሎ ዝምድና ንምሕያል ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ሶማል ምብጽሖም'ውን ይዝከር።

XS
SM
MD
LG