ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ዘይምቅዳው ምርጫ ውጥረት ፖለቲካዊ ኩነታት ሶማል ቀጺሉ`ሎ


ቀዳማይ ሚንስተር ሑሰን ሮብለ

ብመሰረት ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሉስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንቀዳማይ ሚንስተር ሑሰን ሮብለ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈቱ ይርኣዩ`ለዉ።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዕልዋ መንግስቲ`ዩ ክብል ዝገለጾ ቀዳማይ ሚንስተር ሮብለ፡ ንፕረዚደንት ፋርማጆ ከም ሕጹይ ተወዳዳሪ ምርጫ ጥራሕ`የ ዝፈልጠካ ኢልዎ። ናተይ ካቢነ`ዩ ነዛ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ብምባል ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ፋርማጆ ትእዛዝ ከይቅበሉ ጸዊዑ`ሎ።

ክልቲኦም ወገናት ካብ ግጭት ክቑጠቡ፡ ሶማልያውያን፡ ከምኡ`ውን ኣመሪካን፡ ብሪጣንያን ሕቡራት ሃገራትን ይጽውዑ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG