ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ዘይምቅዳው ምርጫ ውጥረት ፖለቲካዊ ኩነታት ሶማል ቀጺሉ`ሎ


ቀዳማይ ሚንስተር ሑሰን ሮብለ
ቀዳማይ ሚንስተር ሑሰን ሮብለ

ብመሰረት ምንጭታት ድምጺ ኣመሪካ ዝሓለፈ ሰሉስ ፕረዚደንት መሓመድ ዓብዱላሂ ፋርማጆ ንቀዳማይ ሚንስተር ሑሰን ሮብለ ካብ ስልጣኑ ድሕሪ ምእላዩ፡ ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ከባቢ ቤት ጽሕፈቱ ይርኣዩ`ለዉ።

እቲ ዝተወስደ ስጉምቲ ዕልዋ መንግስቲ`ዩ ክብል ዝገለጾ ቀዳማይ ሚንስተር ሮብለ፡ ንፕረዚደንት ፋርማጆ ከም ሕጹይ ተወዳዳሪ ምርጫ ጥራሕ`የ ዝፈልጠካ ኢልዎ። ናተይ ካቢነ`ዩ ነዛ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ብምባል ድማ፡ ሓይልታት ጸጥታ ካብ ፋርማጆ ትእዛዝ ከይቅበሉ ጸዊዑ`ሎ።

ክልቲኦም ወገናት ካብ ግጭት ክቑጠቡ፡ ሶማልያውያን፡ ከምኡ`ውን ኣመሪካን፡ ብሪጣንያን ሕቡራት ሃገራትን ይጽውዑ`ለዉ።

XS
SM
MD
LG