ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ወራር ዩክሬን፡ ኣፍሪቃ ክሕሻ ድዩ ክደግሳ?


ድሕሪ ወራር ዩክሬን፡ ኣፍሪቃ ክሕሻ ድዩ ክደግሳ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:09:53 0:00

ድሕሪ ወራር ዩክሬን፡ ኣፍሪቃ ክሕሻ ድዩ ክደግሳ?

ሩስያ: ንዩክሬን ድሕሪ ምውራራ ምስ ግዜ ዝርኣዩ ሓያሎ ፖለቲኮ-ቁጠባዊን ማሕበራዊን ለውጥታት ምኽሳቶም ዘይተርፍ’ዩ። እቲ ክመጽእ ዝኽእል ለውጢ ብዓለም፡ ብኣፍሪቃ፡ ካብኡ ናብኡ’ውን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዛዕባ ክህሉዎ ዝኽእል ጽልዋ ንዶክተር ሚኪኤል ወልደማርያም ኣዘራሪብናዮ ኣሎና። ዶክተር ሚኪኤል ተሓባብሪ ፕሮፈሰር ኣህጉራዊ ዝምድናታትን ፖለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ከምኡ’ውን ዳይረክተር ማእከል ኣፍሪቃ ኣብ ቦስተን ዩኒቨርስቲ’ዩ።

ሩስያ ንዩክሬን ወሪራታ ኣላ፡ ብኣናብብኻ ብዘይካ ሓይሊ ንምርኣይ ሩስያ እትረኽቦ ረብሓታት’ዶ ይዓቢ ወይስ ንዕኡ ስዒቡ ዝመጽእ ክስራታት?

ዶ/ር ሚኪኤል፤ ጽቡቕ ሕቶ’ዩ። ረብሓታትን ክሳራታትን እዚ ወራር ንሩስያን ስርዓት ፑቲንን ቀስ ኢሉ ምስ ከይዲ ዝርአ ጉዳይ’ዩ። እቲ ኩነታት ቀልጢፉ ዝለዋወጥ ብምዃኑ ምስ ግዜ ዝርአ’ዩ። ብኣናብባይ እዚ ወራር ንፑቲንን ወተሃደራዊ ክንፊን ሓጺር ወተሃደራዊ ረብሓታት ክህሉዎ ይኽእል ይኸውን። ነቲ ብህዝቢ ዝተመርጸ መንግስቲ ዩክሬን ክዓልዉን ንዓኣቶም ዝሰማምዕ ከምጽኡን ይኽእሉ ይዀኑ። ኣብ ዝተናውሐ እዋን ግን ንሩስያ ከቢድ ዋጋ ከኽፍላ’ዩ። ምስ ምዕራብ ዝህሉዋ ዝምድና ክዕጾ’ዩ፡ እዚ ድማ ኣብ ሩስያ ከቢድ ቍጠባዊ ተጽዕኖ ክፈጥር’ዩ። ንዕኡ ስዒቡ ምድልዳል ወተሃደራዊ ዕጥቂ ኤውሮጳ፡ ብሕልፊ ድማ ምብራቕ ኤውሮጳ ክንርኢ ኢና። እዚ ከኣ ኣብ ንሩስያ ቅሳነት ዝህብ ኣይክኸውንን’ዩ። ታሪኽ፡ ስምዒታት ህዝቢን ካልእ ረቛሒታትን ምስ እንዕዘብ’ውን ሩስያ ኣብ ዝተናውሐ እዋን’ውን ይዅን ኣብ ዩክሬን ናታ ተማእዛዚ ስርዓት ክትፈጥር ትኽእል ኣይመስለንን። ምዝካር ዘድልዮ ነጥቢ ግን ኣሎ--ነዊሕ መደባትን ስትራተጃዊ ረብሓታትን ሃገረ ሩስያን ፑቲንን ሓደ ኣይኰኑን።

ካብዚ’ኸ ናበይ ገጹ ዝኸይድ ይመስለካ? ኣብ ሓጺርን ዝተናውሐን እዋን?

ዶ/ር ሚኪኤል፤ ብዙሓት ተኽእሎታት’ዮም ዘለዉ። ሓደ እቲ ወተሃደራዊ ግጥም ንምቍጽጻር ዩክሬን’ዩ። ሽሕ’ኳ ሩስያ ዓይነትን ብዙሒን ወታህደራዊ ጸብለልታ እንተለዋ፡ ኣብ ባይታ ግን ብድሆታት ይገጥማ ኣሎ። እቲ ኲናት ካብ ዝጅምር ውሑድ መዓልታት ጥራይ ደኣ ይግበር እምበር፡ ዩክሬናውያን ተሪር ተቓውሞ የርእዩ ኣለዉ። መንግስቲ ዩክሬን ከኣ ህዝባዊ ደገፍ ኣለዎ። ውዒላ-ሓዲራ ርእሰ-ከተማ ኪየቭ ምትሓዛ ኣይተርፋን’ዩ። ድሕሪኡ ግን እቲ ቃልሲ መልክዑ ክቕይር ዝኽእል ይመስለኒ። ምናልባት ሩስያ ንምብራቕን ምዕራብን ዩክሬን ክትከፋፍል ትኽእል ትኸውን። እዚ እትገብረሉ ዕላማ ነታ ሃገር ንምልማስ’ዩ። በዚ ኾነ በቲ ግን ድሕሪኡ’ውን እቲ ኲናት ምቕጻሉ ዘይተርፎ’ዩ።

ሓይልታት ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ኣብቲ ኲናት ብቐጥታ ክኣቱ ዘለዎ ተኽእሎ ከመይ ይርኣየካ?

ዶ/ር ሚኪኤል፤ ኣብዚ መድረኽ’ዚ ብኣረኣያይ ኣዝዩ ውሑድ ተኽእሎ’ዩ ዘሎ። ሃገራት ምዕራብ፡ ንዂናት ክኣትዋ ሸውሃት ከም ዘይብለን ደጋጊመን የምልክታ ኣለዋ። ዩክሬን ከኣ ኣባል ኔቶ ኣይኰነትን። ቻርተር ኔቶ ድማ ንዘይኣባል ሃገር ናይ ምክልኻል ግዴታ የብሉን። ኣባላት እዚ ኪዳን ንዩክሬን ኣጽዋር የዕጥቓኣ ከም ዘሎን ዝጸንሐን ርዱእ ኰይኑ፡ እዚ’ውን ነቲ ወጥሪ ኣብ ምግዳድ ተራ ተጻዊቱ’ዩ። ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ ኣብ ምብራቕ ኤውርጳ ዘለዋ ጽምዶ እናለወጠቶ’ያ ክትምጽእ ጸኒሓ። እዚ ኣብ ሃገራት ባልካን ዘዋሪ ወተሃደራዊ ህላወ ብምግባር’ያ ከተካይዶ ጸኒሓ። ሕጂ ግን ምናልባት ናብ ምሉእ ዕጥቂን ቀዋሚ ድፋዕን ኣብቲ ዞባ ከተስግሮ ተኽእሎ ኣሎ። ስለዚ ብዝተፈላየ ምልክዑ ኔቶ ግብረ-መልሲ ክትህብ ትኽእል ይመስለኒ።

ሓያሎ ዓበይቲ ሃገራት ከም ኣመሪካ፡ ጀርመንን ካልኦት ሃገራት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ይገብራ ኣለዋ። እዚ ንገስጋስ ሩስያ ክገትኦ ዝኽእል መሲሉ’ዶ ይስመዓካ?

ዶ/ር ሚኪኤል፤ ማዕቀብ ምግባር ኣብዚ ሕጂ እዋን ክህሉዎ ዝኽእል ተራ ንምግማት ከቢድ’ዩ። ኣብ በበይነን ሃገራት ኤውሮጳን ኣመሪካን ብዛዕባ ተኽእሎታት ማዕቀብ ነዊሕ ክዝረብ ጸኒሑ’ዩ። ፑቲን ከኣ ንዕኡ እናፈለጠ’ዩ ነዚ ኲናት ኣትዩዎ ዘሎ። ሕጂ ግን እቲ በበወገኑ ዝብሃል ዘሎ ማዕቀባት ኣዝዩ እናተረረ ይመጽእ ከም ዘሎ ርዱእ ኰይኑ ኣሎ። እዚ ከኣ ንፑቲን ዓቢ ጽፍዒት ክኸውን ይኽእል’ዩ። ኣቐዲሞም ልኡም መርገጺ ዝነበረን ሃገራት ከይተርፋ’የን ሕጂ ንተሪር ማዕቀብ ዝድግፋ ዘለዋ።

ዋላ’ኳ እቲ ማዕቀባት ካብ ዩክሬን ክስሕብ ኣየኽእሎ ደኣ’ምበር፡ ካልእ ዘይተገመቱ ሳዕቤናት ግን ክህልዉ’ዮም። ስለዚ ነቲ ዘሎ ገስጋስ ክቕይር ኣይኽኣል ደኣ’ምበር፡ ንፑቲን ግን ካብቲ ክወስዶ ዝኽእል ዓበይቲ ዕንወታት ክገትኦ ዝኽእል ይመስለኒ።

እዚ ናይ ዩክሬን ወራር’ከ ብዓለም ደረጃ እንታይ ዓይነት ቍጠባዊ፡ ፖለቲካዊን ካልእ ለውጥታትን ከምጽእ ኢልካ ትግምት?

ዶ/ር ሚኪኤል፤ ዓለማዊ ቍጠባዊ ጸገማት ከምጽእ ምዃኑ ርዱእ’ዩ። ኣብዚ ዓለማዊ ምትእስሳራር ቍጠባ፡ ሩስያ ብሕልፊ ከኣ ኣብ መዳይ ቀረባት ጸዓት ኣካሉ’ዩ ነይራ። ስለዚ ዕዳጋ ጸዓት ክንህር’ዩ። ኣብ ልዕሊ ሩስያ ቍጠባዊ ማዕቀብ ምንባር ድማ ኣብ በበይኑ ፍርያት ኤውሮጳ ኣሉታዊ ተራ ክህሉዎ’ዩ። ከም ውጽኢቱ ድማ ኣብ መንጎ ቻይናን ሩስያን ዝሓየለ ቍጠባዊ ኪዳን ክንርኢ ትጽቢት ይግበር። ብኻልእ ወገን ድማ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ንሓያሎ ሃገራት ኤውሮጳ ኣብ ጎድኑ ከሰልፈን ክፍትን’ዩ። ዋላ’ኳ ዝሑል ኲናት ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ምስኡ ዝመሳሰል፡ ምትፍናንን በበብይኑ ኪዳናትን ዘለዎ ተርእዮ፡ ዝጽበየና ዘሎ መሲሉ ይስመዓኒ። እዚ ኣብ መንጎ ሃገራት ምዕራብን ሩስያን ኰይኑ፡ ቻይና ድማ ኣካል’ቲ ክመጽእ ዝኽእል ምልውዋጥ ሓይሊ ክትከውን’ያ።

እዚ ወራር’ከ ንኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብኸመይ ክጸሉዎ ይኽእል?

ዶ/ር ሚኪኤል፤ እዚ ምስቲ ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎ ዓለማዊ ወጥሪ ኣብ መንጎ ሩስያ፡ ምዕራብን ዘይተርፍ ከኣ ሕጂ ቻይና እትሕወሶን ኣብ መቓን የእቲኻ’ዩ ክርአ ዝኽእል። እዚ ድማ ኣብ ኣፍሪቃ፡ ብቐንዱ ድማ ቀርኒ ኣፍሪቃ ጽልዋ ክህሉዎ ምዃኑ ኣይሰሓትን። ንቀርኒ ኣፍሪቃ ብፍሉይ ዝጸልዎ ድማ በቲ ዘለዎ ናይ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባብኤል መንደብን ንብዙሕ ነገራት ቀንዲ ኣፍደገ ብምዃኑ’ዩ። ሩስያ፡ ኣብ ቀይሕ-ባሕሪ መዓስከር ንምትካል ኣብ ምፍታሽ ከም ዘላ ጭቡጥ ሓበሬታ ኣሎ። ብተመሳሳሊ ኣብ ናይ ሱዳን ማያዊ ዶባት ቀይሕ-ባሕሪ፡ ሩስያ ናይ ሓይሊ ባሕሪ መዓስከር ንምትካል ኣብ ምጽፋፍ ከም ዘላ ጸብጻባት ኣሎ።

ሃገራት ምዕራብ ንህላወ ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ክብደት ክህበኦ ኣይጸንሓን። ሕጂ ግን ፍሉይ ኣቓልቦ ክረክብ’ዩ። ብድምሩ ንኣፍሪቃ ግድን ክጸልዋ’ዩ። ዝሑል ኲናት ኣብ ኣፍሪቃ ብዙሕ ተራ ገይሩ’ዩ፡ እዚ ሓድሽ ምትፍናን ከኣ ተመሳሳሊ ውጽኢት ክህሉዎ ይኽእል።

ካልእ ክጠቕሳ ዝደሊ ነጥቢ ግን ኣላ። ፑቲን ፍሉይ ቅዲ መሪሕነት’ዩ ዘለዎ። ንሱ ድማ መላኺ፡ ሃገራዊን ሓያልን ምዃኑ’ዩ። ከምዚ ናይ ፑቲን ቅዲ ክኸተሉ ዝደልዩ መራሕቲ ዓለም ድማ ብዙሓት’ዮም። ሓያሎ ካብኣቶም ኣብ ኣፍሪቃ ኣለዉ። ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ እቲ ቍጽሪ ዓይቢ--ንፑቲን ክቐድሑ ዝደልዩ ውሑዳት ኣይኰኑን። ኣብ ዩክሬን ዝህሉ ምዕባለ ድማ ነቶም ከምኡ ዓይነት መራሕቲ ድርኺት ክዀኖም ወይ ድማ ክገትኦም ይኽእል’ዩ።

መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ እቲ ምትፍናን ናበይ ገጹ ይኸይድ ብደቂቕ ይከታተሉዎ ከም ዘለዉ ኣየጠራጥርን። ኵላቶም ድማ ብስትራተጃዊ ረብሓ’ዮም ዝርእዩዎ። ኣብ መንጎ ሩስያን ሃገራት ምዕራብን ንዝሑል ኲናት ዝመሳሰል ምትፍናን ክህሉ እንከሎ፡ መራሕቲ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ነብሶም ኣብኡ ንምእታው’ዮም ዝሕልኑ ዘለዉን ነቲ ኩነታት ዘንብቡዎን።

እዚ’ኸ ክሳብ ክንደይ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቅልጡፍ ለውጢ ከምጽእ ዝኽእል ይመስለካ? ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ምኽትል ወተሃደራዊ ኣዛዚ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሕሜቲ) ናብ ሩስያ በጺሑ ነይሩ’ሞ ክሳብ ክንድኡ ቅልጡፍ ለውጢ ክንርኢ ተኽእሎ ኣሎ ድዩ?

ዶ/ር ሚካኤል፤ እወ። ምብጻሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ (ሕሜቲ) ሓደ መርኣያ ናይቶም ኣቐዲመ ዝጠቐስኩዎም ጸቐጥቲ ወይ ድማ ከምኡ ንምዃን ዝሓልሙ መራሕቲ ቀርኒ ኣፍሪቃ መሓዙትን ባርኾትን ንምድላይ ዝገብሩዎ ዘለዉ ፍተሻ’ዩ። ፑቲን ንምልካዊ ምምሕዳሮም ዝድግፍ መራሒ ምዃኑ’ዮም ዝርእዩዎ። እቲ ወተሃደራዊ ክንፊ ሱዳን ድማ ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ከሰጋግር ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ከቢድ ጸቕጢ’ዩ ዘለዎ። ስለዚ እቲ ወተሃደራዊ ምምሕዳር ሱዳን ኣዕሩኽን ካልእ ዕድላትን ክደሊ ባህርያዊ’ዩ።

!

XS
SM
MD
LG