ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ኣዋጅ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ትግራይ ከመይ ቀጸለ?


ድሕሪ ኣዋጅ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ትግራይ ከመይ ቀጸለ?
please wait

No media source currently available

0:00 0:03:03 0:00

ድሕሪ ኣዋጅ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ሰብኣዊ ተበጻሕነት ትግራይ ከመይ ቀጸለ?

ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰብኣዊ ተበጻሕነት ክልል ትግራይ ክብል ተጻብኦ ደው ከም ዘበለ ድሕሪ ምግላጹን ክልል ትግራይ’ውን ነቲ ውሳነ ከም ዝቕበሎን ዘተግብሮን ድሕሪ ምሕባሩ፡ ኵነታት ሓገዝ ከመይ ከም ዘሎ ንምፍላጥ፡ ካብ ቤት ፅሕፈት ዝምድናታት ትግራይ፡ ፕ/ር ኪንደያ ገብረሂወት፡ ኣዘራሪብናዮም ኣለና።

ብኻልእ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ረድኤት ናብ ክልል ትግራይ ንኽኣቱ ዕጡቃት ህወሓት ካብ ዝሓዝዎ ከባቢታት ክልል ዓፋር ክወፁ ኣለዎም ኢሉ’ሎ።

ሚንስትር ኣገልግሎት ኮሚኒከሽን መንግስቲ ዶ/ር ለገሰ ቱሉ ንድምጺ ኣመሪካ ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ መንግስቲ ንሰብኣዉነት ክበሃል ጎንፂ ግደው ንምባል ድሕሪ ምውሳኑ ዕጡቃት ህወሓት ብሓይሊ ካብ ዝሓዝዎም ከባቢታት ክልል ዓፋር ብዘይምውጽኦም ረድኤት ናብ ትግራይ ክኸይድ ኣይከኣለን ኢሎም።

ትማሊ ህወሓት ካብ ዝሓዞም ወረዳታት ክልል ዓፋር ኣብ ሓደ ውግእ ክካየድ ዊዒሉ’ዉን ኢሎም።

ጎንፂ ጠጠው ንምባል ተመሳሳሊ ውሳነ ዘሕለፈ ህወሓት ብወገኑ ረድኤት ናብ ትግራይ ንዘይምእታዉ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ተሓታቲ ምግባሩ ቐፂሉ’ሎ።

XS
SM
MD
LG