ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ነዊሕ ዓመታት ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ነፋሪት ካብ መዓርፎ ነፈርቲ የመን ተበጊሳ


ሰንዓ - ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ነፋሪት
ሰንዓ - ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ነፋሪት

ዕጡቓት ሑቲ የመን፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ዓመታት ንመጀመርያ ግዜ ካብታ ንሶም ዝቆጻጸርዋ ርእሰ-ከተማ ሰንዓ ተሳፈርቲ ዝጸዓነት ነፋሪት ከም ዝበረረት ኣፍሊጦም።

እታ ነፋሪት መንገዲ ኣየር የመን ኮይና ፡ 151 ገያሾ ሒዛ ናብ ርእሰ-ከተማ ዮርዳኖስ፡ ኦማን ምብራራ ፡ብሑቲ ዝመሓላለፈ ሚድያ ሓቢሩ`ሎ። እዚ ኣካል`ቲ ኣብ መንጎ መንግስትን ዕጡቓትን ን60 መዓልታት ዝተገብረ ውዕል ምቁራጽ ተጻብኦታት ምዃኑ`ውን ተጠቒሱ`ሎ።

ኩናት ሕድሕድ የመን ኣብ 2014 ጀሚሩ፡ ዕጡቓት ሑቲ ንርእሰ-ከተማ ሰንዓ ብምቁጽጻሮም፡ እቲ መንግስቲ ድማ ተሰዲዱ። ድሕሪ ዓመት ኣብ 2015 ድማ ነቲ መንግስቲ ናብ ስልጣን ንምምላስ ብስዑዲ ዝምራህ ኪዳን ናብ የመን ኣትዮ።

XS
SM
MD
LG