ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ነዊሕ ስቕታ ዝተመልሰ መስመር ቴለፎን፡ ንሓዘንን ሓጐስን ብማዕረ የቃልሕ


ፋይል- ከተማ መቐለ
ፋይል- ከተማ መቐለ

ኣብ ክልል ትግራይ፡ መስመር ቴለፎን ንኣስታት ዓመትን ፈረቓን ተበቲኹ ድሕሪ ምጽናሑ፡ ኣብ ገለ ከባቢታት ጀሚሩ ኣሎ። መስመር ቴለፎን ድሕሪ ምኽፋቱ፡ ምስ ስድራቤቶም ክራኸቡ ዝጀመሩ፡ ድምጺ ስድራቤቶም ክሰምዑ ምጅማሮም ዘሕጕስ ደኣ ይዅን እምበር፡ እቲ ዝስዕብ ዘሎ መርድእ ስድራቤቶም ንምቍጽጻር ግን ኣይከኣሉን።

ድሕሪ’ቲ ተነቃፊ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፡ ኣብቲ ንዓመትን ፈረቓን ተቛሪጹ ዝጸንሐ ገለ ወገናት ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ስልኪ ኣብ ቀረባ ሰሙናት’ዩ ጀሚሩ። ምስ ስድራቤቶም ብስልኪ ክዛራረቡ ዕድል ዝረኸቡ ተወላዶ ትግራይ ዝተፈራረቐ ስምዒት ይነግሩ።

“ምስ ስድራቤተይ ክዛራረብ ኣዝየ ሃሪፈ’የ ነይረ፡” ይብል ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ’ሞ ንድሕነት ስድራቤቱ መንነቱ ክንዕቅበሉ ዝሓተተ ሓደ ዜጋ። “ንስድራቤት ክትዛረብ ትደሊ። እቲ ቀንዲ ሻቕሎት ግን መን ብህይወት ኣሎ መን’ከ የለን ንምስማዕ ኣይተቐረብናን፡” ይብል።

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብቐንዱ ከኣ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስቲን መሪሕነት ክልል ትግራይን ብዝተኻየደ ግጭት ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ወሲዱ’ዩ። ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት’ውን ኣብቲ ውግእ ዝሞቱ ዜጋታት ልዕሊ ኣብ ኲናት ዩክሬን ዝሞቱ ከም ዝበዝሑ ተዛሪቡ።

ሓያሎ ተጋሩ ደሃይ ስድራቤቶም ክገብሩ ዝኸኣሉ ሕጂ ድሕሪ፡ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ፈደራላዊ መንግስቲ ዘለዋ ከተማታት ኣገልግሎት ስልኪ ድሕሪ ምጅማሩ’ዩ።

ኣብ ታሕሳስ 10፡ ኣቐድም ኣቢልና ዝጠቐስናዮ፡ ኣብ ኖርወይ ዝቕመጥ ትግራዋይ፡ ምስ ኣብ ዓድዋ ዝርከቡ ኣቦኡን ኣሕዋቱን ንፈለማ እዋን ድሕሪ ሰነ 2021 ምዝርራቡ ይነግር።

እቲ መንነቱ ክዕቀብ ዝሓተተ ሰብ“ብህይወት ኣለዉ ድዮም የለዉን’ውን ኣፍልጦ ኣይነበረንን። ድምጾም ምስ ሰማዕኩ ስምዒተይ ምቍጽጻር ስኢነ። ምኽኣል ስለ ዝሰኣንኩ ነቲ ጻውዒት ኣቋሪጸዮ፡ ካልኣይ ግዜ ጸኒሐ ደዊለ፡” ይብል ።

እቲ ናይ ስልኪ ጻውዒት’ውን ካልእ ኣሕዛኒ ዜና ኣስዒቡሉ’ዩ። ካብ ዓድዋ ውጽእ ኢሎም ዝርከቡ ሸውዓተ ኣባላት ስድራቤቱ፡ ሰራዊት ፈደራል ተሓባበርቶም ሰራዊት ኤርትራን ነቲ ከባቢ ድሕሪ ምቍጽጻሮም ከም ዝተቐትሉ መርድእ በጺሑዎ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ኣቓልቦ ማዕከናት ዜና ስሒቡ ዝነበረ ዳይረክተር ጀነራል ውድብ ጥዕና ዓለም፡ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፡ ንፈለማ እዋን ናብ ስድራቤቱ ድሕሪ ምድዋሉ፡ ብዛዕባ መድርእ ኣኮኡ ከም ዝሰምዐ ገሊጹ ኔሩ።

ዶክተር ቴድሮስ ኣብ እዋኑ“ነደይ ደዊለ ተዛሪበያ፡ ብዕድመ ክንዳይ ዝኸውን ንእሽቶ ሓዋ፡ ብሰራዊት ኤርትራ ከም ዝተቐትለ ነጊራትኒ፡ ስምዒታ ኣዝዩ ተተንኪፉ ነይሩ፡” ኢሉ።

ካልኦት ምስ ስድራቤቶም ብስልኪ ክዛራረቡ ዝኸኣሉ’ውን ዝተፈራረቐ ስምዒት’ዮም ዝነግሩ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝነብር’ሞ ምስ ኣብ ሽረ ዝርከብ ኣቦኡ ድሕሪ ነዊሕ ዝተዘራረበ ዜጋ ድማ እቲ ጽውዒት ሓጐስን ሓዘንን ከም ዝፈጠረሉ ይነግር። ኣቦኡ ክልተ ካብ ቀረባ ኣዝማዱ ከም ዝሞቱ’ዩ ሓቢሩዎ። ሓደ ካብቶም ዝሞቱ ቤተ-ሰብ ብስእነት መድሃኒት ምንባሩ’ውን እቲ ሓሳባቱ ዘካፈሉ ይነግር።

ስድራቤቶም ገና ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ዘለዎ ቦታታት ዝቕመጡ ዜጋታት ግን ናይ ስልኪ ዕድል ገና ኣይረኸቡን።

ኣብ ኣዲስ-ኣበባ ሰራሕተኛ መንግስቲ ዝዀነ ካልእ ትግራዋይ፡ በቲ ውዕል ሰላም ዝፈጠሮ ርግኣት ሕጕስ ምዃኑ ይነግር። ምስቶም ኣብ ከባቢ ዛለምበሳን ዝርከቡ ስድራቤቱ ክዛራረብ ዕድል ዘይምርካቡ ድማ ገና ኣብ ሻቕሎት ኣለኹ ይብል።

XS
SM
MD
LG