ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ህወሓት ናይቲ ከም ብሓዲሽ ዝትከል ግዚያዊ ምምሕዳር ኣካል ክኸውን ከምዘይፍቀደሉ ዋና ፈጻሚ ስራሕ ግዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣፍሊጡ


ዶ/ር ሙሉ ነጋ
ዶ/ር ሙሉ ነጋ

ብባይቶ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ዝተመስረት ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ቀንዲ ፈጻሚ ስራሕ ኾይኖም ዝተመዘዙ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ድሕሪ’ቲ ፈደራል መንግስቲ ዘካይዶ ዘሎ ወታሃደራዊ ወፍሪ እቲ ክልል ዝምርሓሉ ቻርተር ተዳልዩ’ሎ ክብሉ ተዛሪቦም።

ንሶም ወሲኾም ካቢነ’ቲ ክልል ዳግማይ ክዋደድ’ዩ ክብሉ ንድምጺ ኣሜሪካ ሓቢሮም ኣለው።

ባይቶ ፈደረሽን ጥቅምቲ 28,2013 ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ’ዩ ተጸዋዕነቱ ንፈደራል መንግስቲ ዝኾነ ግዝያዊ ምምሕዳር ክምስረት ውሳነ ዘሕለፈ፥ እቲ ውሳነ ኣብ ሕገ መንግስቲ’ታ ሃገር ፈደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ጣልቃ ዝኣትወሉ ዓንቀጽ ኣዋጅ 359/1995 መሰረት ምዃኑ ባይቶ ፈደረሽን ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ኸአ ነዚ መሰረት ጌሩ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተመስረት ግዝያዊ ምምሕዳር ኣመልኪቱ ተግባራዊ ዝኸውን ስሪት ኣጽዲቑ : ንዶ/ር ሙሉ ነጋ ካሕሳይ ናይቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ቀንዲ ፈጻሚ ስራሕ ጌሩ መዚዝዎም።

እዚ ግዝያዊ ምምሕዳር ብመሰረት ውሳነ ባይቶ ፈደረሽን ብውሑዱ 6 ወርሒ ዝኸው ዝጸንሕ’ዩ ዝበሉ ዶ/ር ሙሉ ነጋ ብአና ወገን ንኹሉ ዘሳተፈ ህዝቢ ዝመረጾ ዲሞክራሲያዊ ዝበልዎ ህዝቢ ብዝመረጾ ኣመራርሓ ክሳብ ዝምስረት ናብዚ ንምስግጋርን’ዩ’ቲ ቀንዲ ስርሑ ኢሎም።

ዶ/ር ሙሉ ነጋ ቀንዲ ፈጻሚ ስራሕ ‘ቲ ብቤት ምኽሪ ሚኒስተራት ዝተመስረት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ: ህውሓት ኣብቲ ጊዝያዊ ምምሕዳር ክሳተፍ ኣይተፈቀደሉ: እቶም ኣብ ስልጣን ምምሕዳር ዘለው’ውን በቲ ባይቶ ፈደረሽን ዘይሕጋዊ ዝበሎ ምርጫ’ቲ ክልል ዝተመረጹ’ዮም ኢሎም ኣለው።

ምሉእ ትሕዝቶ ኣብዚ ምስማዕ ይክኣል።



XS
SM
MD
LG