ኣካፍል
መሕተሚ
No media source currently available
ድሕሪ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት፤ ዘፈር ጥዕና ክልል ትግራይ ሕጂ’ውን ሓገዝ የማዕዱ
ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ፕሪቶሪያ፡ ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ መሰረታዊ መድሃኒታት ርኡይ ምምሕያሽ እኳ እንተ ገበረ፡ ብሕልፊ መድሃኒት ሕማም መንሽሮ ንዝወስዱ ተሓከምቲ ግን ዛጊት ዝመጽአ ለውጢ ከም ዘየለ ሰብ-መዚን ተገልግልቲን ይገልጹ። ኰይኑ ግን እዚ ሓድሽ ምጅማር ምእታው መድሃኒት፡ ንሕጽቦ ኰላሊት ንዝገብሩ ተሓከምቲ ተስፋ ሂቡ ኣሎ።