ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

“ድሕሪ ምኽታም ስምምዕ ሰብኣዊ ሓገዝ ኢትዮጵያ ገና ንኡስ’ዩ ዘሎ” ሕ/ሃ


ፋይል
ፋይል

ዋላ’ኳ ስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት እንተ ተኸተመ፡ ናብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝኣቱ ዘሎ ሓገዝ ኣዝዩ ውሑድን ትሕቲ’ቲ ትጽቢት’ዩ ክብል ንዋና ጸሓፊ እቲ ውድብ ብምጥቃስ ወሃብ-ቃል ሕቡራት ሃገራት ስቴፈን ጁዳሪክ ሓቢሩ። እቲ ወሃብ-ቃል ትማሊ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ብድምሩ ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ፡ ሓሙሽተ ሚልዮን ካብኣቶም ድማ ኣብ ክልል ትግራይ ተጸበይቲ ረዲኤት’ዮም ኢሉ።

ንሱ ወሲኹ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምብጻሕ ዝተመሓየሸ ኣገባብ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ዛጊት ናብ ክልል ትግራይ 550 ናይ ጽዕነት መካይድን ኣትየን ምህላወን ኣመልኪቱ።

ኣብቲ ትማሊ ዝተዘርግሐ ስሌዳ መጠን ሓገዝ ዓመተ 2023፡ 26 ሚልዮን ኢትዮጵያውያን ንምሕጋዝ፡ ሕቡራት ሃገራት 3.5 ቢልዮን ዶላር ኣመሪካ ሓገዝ መዲቡ ከም ዘሎ ተመልኪቱ'ሎ። ሕቡራት ሃገራት ነዚ ተሊሙዎ ዘሎ ባጀት ካብ ሓገዝቲ ኣካላት ክረኽቦ ትጽቢት ይገብር።

XS
SM
MD
LG