ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድሕሪ ምርጫ ኬንያ፡ ኣመሪካ ኣብ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ተስፋ ትገብር


ኣብ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሓላፊት ጠረጴዛ ኣፍሪቃ ዝዀና ሞልይ ፊ
ኣብ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሓላፊት ጠረጴዛ ኣፍሪቃ ዝዀና ሞልይ ፊ

ኣብ መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ መሪሕ ተራ ምጽዋታ እትግለጽ ዘላ ኬንያ፡ ድሕሪ ህሉዊ ምርጫ እታ ሃገር፡ ኣብ ልዝብ ሰላም ኢትዮጵያ ዓቢ ኣበርክቶ ክትጻወት ተስፋ ከም ዘሎ ንላዕለወይቲ ዲፕሎማት ኣመሪካ ብምጥቃስ ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ጸብጺቡ።

ኣብ ሚኒስተሪ ወጻኢ ጉዳያት ኣመሪካ ሓላፊት ጠረጴዛ ኣፍሪቃ ዝዀና ሞልይ ፊ ከም ዝገለጸኦ፡ ዋላ’ኳ ገዛኢ ሰልፊ ብልጽግና ብመገዲ ኣፍሪቃዊ ሕብረት እምበር ብመንጎኝነት ኬንያ ዝግበር ልዝብ ከም ዘይቅበል እንተ ኣመልከተ፡ ዝምድና ኡሁሩ ኬንያታን ኣቢይ ኣሕመድን ኣብ ግምት ብምእታው ግን እቲ ኣበርክቶ ዓቢ ምዃኑ ይሕብራ።

ሞልይ ፉ ንኮሚተ ዝምድናታት ወጻኢ ሰነት ኣመሪካ ኣብ ዝሃበኦ ቃል፡ ሕጂ ቀንዲ ኣተኵሮ ኬንያ ኣብቲ ምርጫ ስለ ዘሎ፡ ድሕሪ ምውዳእ እዚ ምርጫ ግን እቲ ተራ ክዓቢ ትጽቢት ከም ዝግበሮ ጠቒሰን።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ፍሉይ ልኡኽ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝዀኑ ማይክ ሃመር ኣብዚ ሰሙን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ስራሕ ዑደት ክገብሩ መደብ ወጺኡ ኣሎ። ኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ነተን በዓልቲ ስልጣን ብምጥቃስ ከም ዘመልከቶ፡ እቶም ፍሉይ ልኡኽ ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ክዛራረቡን እቲ መስርሕ ሰላም ንቕድሚት ዝኸደሉ መገዲ ከናድዩን ትጽቢት ይግበሮም።

XS
SM
MD
LG