ኣብ ቀረባ እዋን ዝተኻየደ መፋርቕ ምርጫ ኣመሪካ፡ ብዙሕ ዘይተገመቶ ውጽኢት’ዩ ኣምጺኡ። ሰልፊ ደሞክራት ንቤት ምኽሪ ተወካሎ ህዝቢ ክስእኑ እንከለዉ ኣብ ሰነት ግን መሪሕነቶም ኣውሒሶም ኣለዉ። ናይ ቅድም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2024 ክወዳደር ምዃኑ ድሕሪ ምእዋጁ ድማ ነቲ ውድድር ካልእ ኵርናዕ ኣምጺኡሉ ኣሎ። ጸ
ድሕሪ ምዝዛም ምርጫ መፋርቕ ኣመሪካ፡ ሕጂ ምሉእ ጠመተ ናብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ 2024’ዩ ኰይኑ ዘሎ።
“ሕጂ’ውን መሊስና ኣመሪካ ዓባይ ሃገር ክንገብራ ኢና። ክብረት ይሃበለይ። ኣምላኽ ይባርኽኩም።”
ዝሓለፈ ሰሙን ናይ ቅድም ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ምርጫ 2024 ክወዳደር ምዃኑ ወግዓዊ ገይሩ። በዚ ድማ ንሳልሳይ እዋኑ’ዩ ንፕረዚደንታዊ ምርጫ ዝወዳደር ዘሎ።
ድሕሪ’ቲ ትራምፕ ንተወዳደርነቱ ወግዓዊ ምግባሩ ድማ ምምሕዳር ባይደን፡ ብመገዲ ኣኽባር ሕጉ ኣቢሉ፡ ንተራ እቲ ናይ ቅድም ፕረዚደንት ዝምርምር ኣካል ከም ዘቖመ ኣፍሊጡ። እቲ ኣማኻሪ ሕጊ ኣሃዱ ክልተ ጉዳያት’ዩ ብቐንዱ ክምርምር ትጽቢት ተገይሩዎ ዘሎ። ንሳቶም ድማ ንተራ ፕረዚደንት ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ዕግርግር ቤት ምኽሪ ጥሪ 6 ከምኡ’ውን ናብ መንበሪ ገዛኡ ብዛዕባ ዝወሰዶ ኣገዳሲን ምስጢራዊ ሰነዳትን’ዩ።
ዋና ኣኽባር ሕጊ ኣመሪካ መሪክ ጋርላንድ ብዛዕባ ምቛም ናይታ ኣጻራዪት ኮሚተ ኣመልኪቱ ከምዚ ኢሉ ነይሩ፤“ሎሚ ኣብዚ ተረኺበ ዘለኹ ንምምስራት ኣጻራዪትን ኣማኻሪትን ኮሚተ ሕጊ ንምእዋጅ’ዩ። እታ ፍልይቲ ኣሃዱ ንኽልተ ኣዝዩ ዓቢ ህዝባዊ ጠመተ ዝተዋህቦም ሕጋውያን ጉዳያት ከተጻሪ’ያ ተመዚዛ ዘላ፡”
መርማሪት ኣሃዱ ድሕሪ ምርጫ መፋርቕ ኣመሪካ’ያ ምቛማ ወግዓዊ ኰይኑ። ሰልፊ ደሞክራት ካብ ትጽቢት ብዙሓት ወጻኢ ኣብ ሰነት ብጸቢብ በሊጾም ኣለዉ። ብኣንጻሩ ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ዋላ’ኳ ከምቲ ትጽቢት ዝተገብረሎም ደኣ ኣይዅን እምበር፡ ንቤት ምኽሪ ተወካሎ ህዝቢ ተቖጻጺሮም።
ምክፍፋል ኣብያተ-ምኽሪ ሰነትን ተወካሎ ህዝቢን ግን ንፕረዚደንት ባይደን ሕግታት ከሕልፍ ዝዓበየ ተጽዕኖ ክዀኖ’ዩ። እዚ ብድሆ’ዚ ድማ ንዝመጽእ ክልተ ዓመት ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ክቕጽል ትጽቢት ይግበር።
ሰልፊ ሪፓብሊካን ግን መሪሕነት ሰልፊ ደሞክራት ክግታእ ምኽኣሉ ሓጐሰም ይገልጹ ኣለዉ። ኣባል ሰልፊ ሪፓብሊካን ዝዀነ ኬቨን ማካርቲ ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሽትድ ፕረስ፡ “ዕብለላ ሰልፊ ደሞክራት ኣብ ዋሺንግተን ዘኽተመሉ እዋን ምዃኑ ሓገሰይ እገልጽ፡” ኢሉ ነይሩ።
ዶናልድ ትራምፕ ደጊሙ ንፕረዚደንት ክወዳደር ምውሳኑ ግን ንገለ ካብ ሰልፊ ሪፓብሊካን ጽቡቕ ዜና ኣይመስልን። ተቐባልነት ፕረዚደንት ባይደን እናንቈልቈል ኣብ ዝመጽኣሉ ዘሎ እዋን፡ ንፕረዚደንትነት ክሕዙ ዝሓሸ ዕድል ከም ዘለዎም ከኣ ይኣምኑ። ምስ ምንቍልቋል ቍጠባ፡ ህዝባዊ ተቐባልነትን ባይደን ናብ 40%’ዩ ወሪዱ ዘሎ። በዚ ምኽንያት ከኣ’ዮም ገለ ኣባላት ሰልፊ ሪፓብሊካን፡ ትራምፕ ክወዳደር ምውሳኑ ሻቕሎቶም ዝገልጹ ዘለዉ።
ሓደ ካብቶም ንትራምፕ ዝቃወሙ ዘለዉ ናይ ቅድም ኣፈ-ጉባኤ ፓል ረያን’ዩ።
“ንትራምፕ ሒዝና እንተ ተወዳዲርና ንዋይት ሃውስ ንረኽባ ኣይመስለንን። ካልእ ስሙ ትራምፕ ዘይኰነ ሕጹይ እንተ ሃልዩ ንኽዕወት ዝሓሸ ተኽእሎ ኣለዎ፡”
ኣብ ቀዳመ፡ሰንበት ኣስታት 15 ሚልዮን ተጠቀምቲ ትዊተር ንትራምፕ ኣብ ዝምልከት ኣርእስቲ ድምጾም ሂቦም ነይሮም። ሓድሽ ዋና ትዊተር ኢላን ማስክ ንምምላስ ትራምፕ ናብቲ ማሕበራዊ ገጽ ኣመልኪቱ ኣብ ዝኸፈቶ ህዝባዊ ድምጺ፡ እቲ ፕረዚደንት ነበር ንኽምለስ ዝጽውዕ ድምጺ ተኣኪቡ። ድሕሪ ዕግርግር ቤተ-መንግስቲ ካፒቶል ካብ 2021 ኣትሒዛ ትዊተር ንትራምፕ ንዅሉ ግዜ ከልኪላቶ’ያ።
ድሕሪኡ ግን ትራምፕ፡ ትሩዝ ሶሻል (Truth Social) ዝብል ካልእ ናይ ባዕሉ ማሕበራዊ ገጽ ከፊቱ። ዛጊት ይዝረብ ከም ዘሎ ድማ ናብ ትዊተር ናይ ምምላስ ሸውሃት ዘለዎ ኣይመስልን።