ዋሽንግተን —
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ንምንፃል ጥንሲ ዝምልከት ውሳነ ናብ ግዝኣታት ብምምላስ ከም ሕግን ኣፈፃፅማን ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ክቅየድ ምውሳኑ ዝዝከር እዩ።
ኣብ መፈለምታ እዚ ዓመት ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ ምንፃል ጥንሲ ሕገ መንግስታዊ መሰል ከምዘይብሉ ምውሳኑ ታሪኻዊ ውሳነ ገይሩዎ እዩ። ፊደራላዊ ውሕስንኡ ብምልዓል ነፍሲ ወከፍ ግዝኣታት ውሳነ ዝህባሉ ጉዳይ ክኸውን መሪሕዎ፣ ተሓለቕቲ ኣንፃር ምንፃል ጥንሲ ድማ ወሃብቲ ድምጺ ውሳነ ክህቡሉ ዝገበረ መስርሕ ክብሉ ንውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ ንኢዶምዎ።
እቲ ምስ ክልከላታት ምንፃል ጥንሲ ተተሓሒዙ ዝካየድ ዘሎ ቃልሲ'ኸ እንታይ ይመስል?