ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ድልያ ኢንተርነት ንመጻኢ ምዕባለታት ኮቪድ-19 ክትንበ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይሕብሩ


ሳይንቲፊክ ሪፖርት (Scientific Reports) ኣብ ዝተባህለ ጆርናል ብዝተሓትመ መጽናዕታዊ ጽሑፍ መሰረት፡ ተመራመርቲ ንጻዕቂን ብርታዐን ለበዳ ኮቪድ-19 ብግቡእ ክንበዩዎ ክኽእሉ’ዮም ይብል። እቲ ብሃገሩን ከባቢኡን ዝግበር ድልያ ኢንተርነት (ሰርች)፡ ቅድሚ ሰሙናት ኣንፈት እቲ ለበዳ ከርኢ ከም ዝኽእል እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ይሕብር።

ተመርመርቲ ኣብ ጉግል ንኮቪድ-19 ኣመልኪቱ ብዝግበር ድልያ (ሰርች)’ዮም ነቲ መተንበዪ ሞደል ከማዕብሉዎ ክኢሎም። ካብ ዩኒቨርስቲ ሚሲሲፒ ማእከል ጥዕና ዝዀነ ፊሊፕ ታርክ ንገለ ካብቲ መለለዪ ብልሓታት ኣመልኪቱ ክዛረብ እንከሎ፡ “ንኣብነት ብዙሕ ሰብ ‘ኣብ ጥቓይ ዝርከብ መመርመሪ ኮቪድ-19’ ዝብል ክደሊ እንተ ጀሚሩ፡ ኣብቲ ከባቢ ጻዕቂ ከም ዘሎ የምልክት፡” ይብል። ታርክ ወሲኹ፡ እዚ ዝመስል ድልያ ምስ ዝህሉ ድማ ንሆስፒታላትን ማእከላት ጥዕናን ክመጽኦም ብዛዕባ ዝኽእል ብዝሒ ተሓከምቲ ግምት ክወስዱን ብእኡ መጠን ክዳለዉን ከም ዝሕግዝ የረድእ።

እዚ ብተመራመርቲ ተዳልዩ ዘሎ ሞደል፡ ካብቲ ብማእከል ምቍጻጽርን ምክልኻልን ሕማማት ኣመሪካ (CDC) ዝስርሓሉ ዘሎ ዝበልጽ ምዃኑ ይሕበር።

ካብቶም ኣዳለውቲ እቲ መጽናዕታዊ ጽሑፍ ዝኾነ ሺሃኦ ያንግ (Shihao Yang) እቲ ሞደል እንኮላይ ንዝርጋሐን ዘይምዕሩይነት ወሃብቲ ኣገልግሎት’ውን ዘርኢ’ዩ ይብል። ሓድሽ ዓይነት ተርእዮ ምስ ዘጓንፍ’ውን እዚ ቀሪቡ ዘሎ ሞደል ቀልጢፉ ኣብ ምፍላጥ ተራ ክህሉዎ’ዩ።

ዶክተር ያንግ ከም ዝጠቕሶ፡ እቲ ኣገባብ ምስ ትንቢት ምንቅጥቃጥ ምድሪ’ውን ዝመሳሰል’ዩ። ማዕበል ሱናሚን ካልእ ከም ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዝኣመሰሉ ባህርያውያን ሓደጋታትን ኣቐዲሞም ስለ ዝፍለጡ፡ እዚ ናይ ኮቪድ-19 መተንበዪ ኣገባብ’ውን ተመሳሳሊ ናይ ምክልኻልን ቅድመ-ምድላዋትን ተራ ከም ዘሎዎ ዶክተር ያንግ ይሕብር።

እቲ ንድልያ ኢንተርነት ዝኽተል ሞደል ነፍሲ-ወከፍ ሰሙን ዝሕደስን ንዘሎ ምዕባለታት ዝሕብርን’ዩ። ነፍሲ ወከፍ ሰሙን ድማ ናይ 56 መዓልታት ድልያ የርኢ።

እዚ ኣገባብ ኣብ ምክልኻልን ቅድመ-ምድላዋትን ለበዳ ኣዝዩ ዓቢ ተራ ክህሉዎ ከም ዝኽእል ተመራመርቲ ይገልጹ። እንተዀነ፡ ምሉእ ዓቕሚ ኣብ ጉግል ስለ ዝምርኰስ፡ እቲ ትካል ንገለ ናይ ድልያ ሓበሬታ ንደገ ግሉጽ ምግባር ደው ምስ ዘብሎ ዓቢ ሃጓፍ ከጋጥም ከም ዝኽእል እቶም ኣዳለውቲ ይሕብሩ።

ካብ ሓደ ቋንቋ ናብ ካልእ ቋንቋ ኣብ ዝግበር ድልያ(ሰርች)ን ክህሉ ዝኽእል ናይ ኣጸዋውዓ ኣስማት ፍልልይን ዛጊት ኣብቲ ሞደል ብግቡእ ኣይቀረበን ዘሎ።

XS
SM
MD
LG