ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዴህዴን ንከንቲባ ሃዋሳ ሓዊሱ ንላዕለዎት መራሕቲ ዞባታት ሲዳማን ሃድያን ካብ ሓላፍነቶም አጊዱ


ኣብ ብሄር፣ብሄረሰባትን ህዝብታትን ክልል ደቡብ ምስ ዝተፈጥረ ፀገም ጸጥታ ብዝተኣሳሰረ ገዛኢ ውድብ ናይቲ ክልል ዲሞክራሲያዊ ምንቅስቓስ ህዝብታት ደቡብ/ዴህዴን/ ንከንቲባ ከተማ ሃዋሳ፣ላዕለዎት መራሕቲ ዞባታት ሲዳማን ሃድያን ካብ ሓላፍነቶም ኣጊዱ።ዴህዴን ናይ ላዕለዎትን ማእኸለዎትን ኣመራርሓ ኣኼብኡ ሎሚ ሓሙስ ኣብ ሃዋሳ ጀሚሩ’ሎ።

ዴህዴን ሎሚ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ ሽም ናይቶም ዝተኣገዱ ሓለፍቲ ይኹን ናይቶም ዝተክኡዎም ኣይገለፀን።እቲ ውድብ ንኣማሓዳሪ ከተማ ሃዋሳ፣ሰበስልጣን መንግስትን ውድብን ዞባታት ሲዳማን ሃዲያን ካብ ሓላፍነቶም ብምእጋድ ንኣባላት ኣመራርሓ ዞባታት ወላይታን ከፋን እውን መጠንቐቕታ ሂቡ’ሎ።

ኣብዚ ሰሙን ኣብቲ ክልል ዘጋጠመ ፀገም ፀጥታ ስዒቡ እቲ ውድብ ኣብዘካየዶ ህፁፅ ኣኼባ እቶም ሰበስልጣን ኣብቲ ዝተፈጥረ ፀገም ተሳተፍቲ እዮም ኢሉዎም ኣሎ።

ክልል ናይ ምዃን ሕቶ ብዝተፀንዐን ብሕጋዊ ኣገባብ ንምምላስ በቲ ውድብ ኣብ ስምምዕ እንተተበፅሐ እውን ካብ ውሳነ ውድብን መንግስትን ወፃኢ ዝተፈፀመ ዘይሕገመንግስታዊ ተግባር ስዒቡ ኣብ ዞባ ሲዳማ ኣብ ህይወትን አካልን ሰብ፣ንብረትን ስነኣእምሮን ኢሰብኣዊ ተግባር ተፈፂሙ’ሎ ክብል ኮኒኑዎ’ሎ።

እቲ ውድብ ብተወሳኺ ግዳያት ዳግም ንምጥያስ ብቕልጡፍ ክስራሕን ነቲ ጥፍኣት ዝመርሑ፣ ዘተሓባብሩን ዝተሳተፉን ናብ ሕጊ ንምቕራብ ዝተጀመረ ስራሕ ኣሓይሉ ክቕፅል እዩ ኢሉ’ሎ ።

ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልል ይርኣዩ ዘለው ስርዓት ኣልቦነት ብቕልጡፍ ደው ንምባልን ልዕልነት ሕጊ ንምርግጋፅ ከምዝሰርሕ እውን ሓቢሩ።እቲ ክልል ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ወታደራዊ እዚ ፌደራል ወዲቑ’ሎ።

ኣብ ዞባ ወላይታ እውን ካብ ኣመራርሓ ወፃኢ ተፈፂሞም ዝተባህሉ ምንቅስቓሳት ብህጹፅ ደው ክብል ብምትሕስሳብ ኣብ ዞባ ከፋ ተኻይዱ ዝበሎ ተግባር እውን ብሕጊ ዘሕትት እዩ ኢሉ’ሎ።

ብኻልእ ዜና ዴህዴን ሎሚ ሓሙስ ኣብ ከተማ ሃዋሳ ኣኼብኡ ጀሚሩ’ሎ።ኣዶ መንበር ዴህዴንን ናይ ኢትዮጵያ ናይ ሰላም ሚንስትርን ወ/ሮ ሞፈሪያት ከማል እቲ ኣኼባ ክልተ ዕላማታት ዝሓዘ እዩ ኢለን።

“እቲ ፈላማይ ኣብ ሃገራውን ክልላውን ዘሎ ፖለቲካዊን ፀጥታውን ጉዳያት ብዝምልከት ምምይጥ ብምክያድ ኣብቲ ጉዳይ ግልፅነት ንምፍጣርን እዋኑ ዝሓቶ መሪሕነት ንምርግጋፅን እዩ።ብደረጃ ሃገርን ክልልን ዘጋጠመ ፖለቲካውን ፀጥታውን ፀገማት ከምኡ እውን ነቲ ክልል ይመርሕ ዘሎ ውድብ ዝሓዞ መርገፂ ንምዝርራብ እዩ።”

ካልኣይ ዕላማ እቲ ኣኼባ ንድልየት ለውጢ ናይቲ ህዝቢ ብዝግባእ ሰሚዕኻ ንምምራሕ እዩ ኢለን።ብጥብቕ ሓለዋ ዝጀመረ ጉባኤ ዴህዴን ካብ ኣርባዕተ ክሳብ ሽዱሽተ መዓልታት ከምዝፀንሕ ተፈሊጡ’ሎ።ሚዲያታት ወፃኢ ግን ካብ በሪ ተኸልኪሎም ተመሊሶም ኣለው።

XS
SM
MD
LG