ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ዘስዕቦ ዘሎ ዕንወት ንሓያሎ ወገናት የተሓሳስብ


ፋይል
ፋይል

ድሕሪ ምቍራጽ ተጻብኦታት ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ክልል ትግራይ ንዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው ተቓሊዑ ምህላዉ ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ብመገዲ ወሃብ-ቃሉ ስቴቨን ጁዳሪክ ኣቢሉ ኣመልኪቱ። ብሰንኪ እቲ ኲናት ናብ ክልል ትግራይ ዝኣቱ ዝነበረ ሰብኣዊ ሓገዝ’ውን ምሉእ ብምሉእ ደው ምባሉ ኣመና ኣተሓሳሳቢን ነቲ ዝጸንሐ ሽግራት መሊሱ ዘግድድን ምዃኑ እቲ ወሃብ ቃል ንጋዜጠኛታት ሓቢሩ።

ኣብ ተመሳሳሊ ዜና ኣብ ንጉዳይ ዓለማዊ ሕጊ ዝከታተል ኣካል ኤውሮጳዊ ሕብረት፡ ነቲ ዳግም ዝተወልዐ ኲናት ኣትሪሩ ብምዅናን፡ ብሰንኩ ኣብ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋር ኣምሓራን ኣስታት 13 ሚልዮን ህዝቢ ተጻባዪ ረዲኤት ምዃኑ ሓቢሩ። ብሰንኪ ዝተኣጓጎለ መስመራት ድማ እቲ ናብ ተጻብዪ ህዝቢ ዝበጽሕ ዝነበረ ሓገዝ ምቍራጹ ኣመና ዘተሓሳስብ ምዃኑ ብምጥቃስ፡ ኣባላት ሃገራት ኤውሮጳዊ ሕብረት ቅልጡፍ ምቍራጽ ተጻብኦታት ከም ዝጽውዓ ኣስሚሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እናሃለወ፡ ክልል ትግራይ ብመገዲ ቤት ጽሕፈት ዝምድናታት ኣቢሉ ትማሊ ሓሙስ 29 መሰከረም ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብወገን ሓይልታት ኤርትራን ፈደራላዊ ሰራዊትን ቀጻሊ መጥቃዕታት ከብዲ-ብረትን ነፈርቲን የጋጥም ከም ዘሎ ኣመልኪቱ። እቲ መግለጺ፡ ሓይሊ ኣየር ኤርትራ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ብዝገበሮ ደብዳብ ህይወት ሲቪላውያን ሰባትን ንብረትን ምውሳዱ ኣመልኪቱ። ኤርትራ ኣብ ዓዲ-ግራትን ሸራሮን ቀጻሊ ደብዳብ ከቢድ-ብረት ተካይድ ምህላዋ ዝሓበረ መግለጺ ድማ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ’ውን ኣብ ሽረ ዘካየዶ ደብዳብ ህይወት ሲቪላውያን ሰባት ምቕታሉ ጸብጺቡ ኣሎ።

እንተዀነ ሚንስትሪ ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝተሃርመ ዒላማታት ሲቪላዊ ህዝቢ ዘይኰነስ ኣጽዋር ዝተዓቖረሉ መኽዘን ምዃኑን ብልክዕ ምህራሙን ብመገዲ መራኸቢታት መንግስቲ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ጠቒሱ። ምልክልኻል ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ዓዲ-ዳዕሮ ዝተፈጸመ ደብዳብ ነፈርቲ’ውን ባዕሉ ምክያዱ ጠቒሱ ኣሎ።

ብወገን ኤርትራ ነዚ ዳሕራይ ክሲ ኣመልኪቱ ዝተዋህበ ወግዓዊ ምላሽ ዛጊት ኣይረኸብናን።

XS
SM
MD
LG