ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይሰፍሕ ምህላው ተገሊጹ


 ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይሰፍሕ ምህላው ተገሊጹ
please wait

No media source currently available

0:00 0:05:20 0:00

ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ናብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ይሰፍሕ ምህላው ተገሊጹ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግማይ ዝተወልዓ ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ናብ ዝተፈላለዩ ግምባራት ሰፊሑ ይቅፅል ምህላዉ ተፈሊጡ። ንምኽንያት መበገሲ እዚ ዳግመ ኲናትን ምስፍሑን ፌዴራል መንግስቲን ህወሓትን ነንሕድሕዶም ምክሳስም ቀፂሎም ኣለዉ።

መሓውራት ዜና መንግስቲ ኢትዮጵያ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ “ብዘይ ኲናት ክነብር ዘይኽእል” ክብል ንዝፀወዖ ህወሓት ኣብ ዋግ፣ ወልቃይት (ከባቢታት ምዕራብ ትግራይን) ንኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዘዳውቡ ከባቢታትን ዳግመ ወራር ፈፂሙ ክብል ይኸስስ።

እቲ መግለፂ ከምዝበሎ ህወሓት ኣቐዲሙ ኣብ ምብራቕ ኣምሓራ ቆቦን ከባቢኡን ንዝፈፀሞ ወራር ካብ ሓይሊ ምክልኻልን ህዝብን ዝረኸቦ ፅኑዕ ናይ ምክልኻል ምላሽ ዘይተፀበዮ ብምዃኑ እዩ ነዚ ሓዱሽ ወራር ፈፂሙ ዘሎ ይብል። ብምዃኑ ህወሓት ነቲ ናይ ሰላም ኣማራፅታት ብምሕዳግ ወራሩ ናብ ካልኦት ከባቢታት ክሰፍሕ ይገብር ኣሎ ክብል መንግስቲ ይኸስስ። ሰራዊቱ ግን ንቦታታቶም ተቆፃፂሮም ይከላኸሉ ምህላዎም ገሊፁ።መንግስቲ ኢትዮጵያ ሐጂ እውን ንናይ ሰላም አማራፅታት ድሉው ምዃኑን “ህወሓት ነቲ ናይ ሰላም ኣማራፅታት ረጊፁ ብዝፈፀሞ ወራር ምኽንያት ንሰላም ዝተዘርገሐ ኢድ ንከይዕፀፍ ማሕበረሰብ ዓለም ዝከኣሎ ክገብር መንግስቲ ኢትዮጵያ የተሓሳስብ” ክብል ኣመልኪቱ።

ወሃቢ ቃል ህወሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ሎሚ ኣብ ትዊተር ኣብ ዘውጽእዎ መልእኽቲ “መንግስቲ ኢትዮጵያ ብዘይሕንከት ትግራይ ንሰቆጣ፣ ሓምዳይትን ደደቢትን ሓዊሱ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ምዕራብ ትግራይ መጥቃዕቲ ምኽፋታ ይገልፅ ምህላዉን ከምቲ ሓቂ እንተኾይኑ እቲ ስርዓት ኣብ ቅድሚ ማሕበረሰብ ዓለም ንርእሱ ካብ ተሓታትነት ከድሕነኒ ዝበሎ ዛዕባ እዩ ዝፈጥር ዘሎ።” እዚ ስርዓት ምስ ናይ ኤርትራ መዘንኡ ብምዃን ኣብቲ ዞባ ጎንፂ ንምጉህሃር የተሓባብር ምህላዉ ድሕሪ ምግላፅ ማሕበረሰብ ዓለም ፀማም እዝኒ ካብ ምሃብ ተበራቢሩ ነቲ ክመፅእ ዝኽእል ህልቂት ጠጠው ከብሎ ፀዊዖም። ሰራዊቶም ንዝመፆ መጥቃዕቲ ንምክልኻል ድሉው ምዃኑ እውን ሓቢሮም።

“ዋና ኣዛዝ ሰራዊት ትግራይ” ምዃኖም ዝግለፅ ታደሰ ወረደ እዋናዊ ኩነታት ኣመልኪቶም ሎሚ ምሸት ኣብ ቴሊቪዥን ትግራይ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ እቲ ስምምዕ ምቁራፅ ተፃብኦ ፈለማ ብወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዝተጣሕሰን ድሕሪ እዚ ድማ ኲናት ኣብ ዝኾነ ሰዓት ክጅመር ከምዝኽእል ብምርዳእ ተዳሊናሉ ፀኒሕና ኢና ኢሎም። ንሶም ወሲኾም “ኣብ ግምባር ደቡብ ዝተኸፈተና ኲናት መኪትና ብፀረ መጥቃዕቲ ዛጊት ካብ ዘመዝገብናዮም ዓበይቲ ዓወታት ኮይኑ ኣሎ” ኢሎም። ከምኡ እውን ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ሳምረ ንምእታው ብሰቆጣ ኣቢሎም ኲናት ምኽፋቶምን መንግስቲ ብዝሒ ዘለዎ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ብምስዳድ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብምፅማድ ብወገን ሑሞራ ወራር ንምፍፃም ዝዓለመ ዛጊት'ውን ክኣትዉ ምጅማሮምን ኲናት ንምኽፋት ተዳልዮም ከምዘለዉን ኣብ መግለፂኦም ሓቢሮም።

ንሶም ወሲኾም እዚ ዂናት ናይ ትግራይን ኣምሓራን ገይርካ ንምቅራብ ዝግበር ፈተነ ተቀባልነት ዘይብሉ ምዃኑን ምስ ህዝቢ አምሓራ ኮነ ህዝቢ ዓፋር ፅልኢ የብልናን ኢሎም። በዚ ኩነታት ተደናጊፆም ካብ መረበቶም ንኸይመዛበሉ ድማ ፀዊዖም ። ኣብ መወዳእታ መንግስቲ ኢትዮጵያ ካብ ቃል ዓለም ወፂኡ ንሰላም ድሉው እንተዘይ ኮይኑ ኲናት ምቅፃሉ ከምዘይተርፍ ኣብ መግለፂኦም ኣብሪሆም።

ካብ መንግስትን ዝምልከቶም ሰበስልጣናትን ኤርትራን ነዚ ጉዳይ ኣመልኪትና መብርሒ ክህቡና ዝገበርናዩ ተደጋጋሚ ፈተነ ኣይሰለጠን።

ንምስፋሕ እቲ ኲናት ክልቲኦም ወገናት ንሓድሕዶም ይካሰስሉ ኣብ ዘለዉሉ እዋን ካብ ሑመራ ርሕቅ ኢሉ ድምፅታት ተኹሲ ከምዝስማዕ ሓንቲ ሽመን ክግለፅ ዘይደለያ ነባሪት ኣብ ባህርዳር ንእትርከብ ወኪል ድምጺ ኣመሪካ ሓቢረን ኣለዋ።


XS
SM
MD
LG