ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳግማይ ቀብሪ ቶማስ ሳንካራ ሎሚ ይፍጸም ኣሎ


ቅድሚ 34 ዓመታት ዝተቐትለን ካብቶም ብፍሉይ ዝጥቀሱ ሰውራዉያን መራሕቲ ኣፍሪቃን ምዃኑ ዝንገረሉ መራሒ ቡርኪናፋሶ ቶማስ ሳንካራ ሎሚ ሓሙስ ይፍጸም ኣሎ። ኣብቲ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ጽንብል ካልኣይ ቀብሪ ምስ ቶማስ ሳንካራ ዝተቐትሉ 12 መቓልስቱ’ውን ክፍጸም ምዃኑ ሚኒስተር መራኸቢታት እታ ሃገር ኣፍሊጦም።

ስነ-ስርዓት ቀብሪ ሳንካራ፡ ኣብቲ ንኽብሩ ዝቖመ ሓወልቲ ክፍጸም ምዃኑ መንግስታውያን ምንጭታት ክገልጹ እንከለዉ፡ ስድራቤቱ ግን ኣብቲ ኣጋጣሚ ከም ዘይርከቡ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

“ኣፍሪቃዊ ቸ ጉቬራ” ብዝብል ስም ዝጽዋዕ ዝነበረ ቶማስ ሳንካራ፡ ኣብ መበል 33 ዓመት ዕድሚኡ፡ ኣብ 1983 ስልጣን ድሕሪ ምሓዙ፡ ካብቲ ሊበራላዊ ኣተሓሳስባ ዝፍለ ሱር-በተኻዊ ለውጢ የተኣታቱ ምንባሩ ይዝከር።

ነዊሕ ከይጸንሐ ግን ብመቓልስቱ ዝነበረን ነታ ሃገር ንዝሰዓቡ 27 ዓመታት፡ ብምልኪ ዝመርሐን፡ ብሌዝ ኮምፓዎረ ተቐቲሉ። ኣብ እዋን ምምሕዳር ኮምፓዎረ፡ ኣብ ቡርኪኖፋሶ፡ ስም ቶማስ ሳንካራ ምጥቃስ’ውን ኣይከኣለን ነይሩ።

XS
SM
MD
LG