ክርከብ ዝኽእል መራኸቢታት

ዳግማይ ምስ ኢራን ኣብ ስምምዕ ኑክሌር ንምብጻሕ ትሑት ትጽቢት ከምዘሎ ኣመሪካ ትእምት


ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ኢራን ናብ ናይ ኑክሌር ስምምዕ ንምምላስ ከቢድ ውሳነታት ክትውስን ዘለዋ ጊዜ ሕጂ እዩ ኢሎም።እዚ ዝኸውን ዘሎ ኣብ ቪየና ንኣስታት ሓደ ዓመት ብዙሓት ወገናት ዝተሳተፉሉ ዝርርብ ክካይድ ድሕሪ ምፅንሑ እዩ።

ገለ ካብ ክልቲኡ ፓርትታት ኣባላት ኮንግረስ ኣመሪካ ካብ ሕማቕ ስምምዕነት ዘይምስምማዕ ይሓይሽ ብዝብል ጥንቃቐ ክግበር ይፅውዑ ኣለው።

ሚንስትር ጉዳያት ወጻኢ ኢራን ሑሴን ዓሚር ዓብዶላሂያን "ሎሚ ካብ ዝኾነ ይኹን እዋን ንላዕሊ ኣብ ቪየና ናብ ስምምዕ ቀሪብና ኣለና ኢለ እኣምን’’ ኢሎም።

ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2015 ካብ ዝተበጽሐ ናይ ኑክሌር ስምምዕ ኣብ 2018 ድሕሪ ምውጻኦም ዳግማይ ኣብ ስምምዕ ክብፃሕ እንተኾይኑ ክልቲኦም ወገናት ጥርጣረ ኣለዎም።

XS
SM
MD
LG